ኤደን ሃዛርድ

2015

ብ 7 ጥሪ 1991 ኣብ ላ ሉቭየር - በልጁም ዝተወልደ ኤደን ሃዛርድ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣባል ክለብ ቸልሲን ሃገራዊት ጋንታ በልጁምን ኮይኑ ዝጻወት ዘሎ ድንቂ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ’ዩ። ከም ናይ ፍርቂ ሜዳን ናይ ክንፍን ኣጥቃዓይ ኮይኑ ዝስለፍ ሃዛርድ፣ ብዝውንኖ መሃዝነት፣ በርቃዊ ቅልጣፈን ተክኒካዊ ብቕዓትን’ዩ ኣውራ ዝፍለጥ። ብተንተንትን ኣፍቀርትን ጸወታ ኵዕሶ እግሪ “ንተቓናቐንቱ ኣሽኪዑ ከም ዝሰኽሩ ብምግባር ንጸወታ ናብ ረብሓ ጋንታኡ ክቕይር ዝኽእል፣ ፍርሒ ዝበሃል ዘይፈልጥ ተባዕን ሓያልን ኣጥቃዓይ” ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ።

ወለዲ ሃዛርድ - ካብ ሓድሕዶም ዘይሰናነፉ ሃበርም ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ’ዮም ነይሮም። ኣቦኡ ቴሪ ምስ ኣባል ካልኣይ ዲቪዝዮን በልጁም ዝኾነት ጋንታ ላ ሉቭየር ተሰሊፉ ሓያል ተኸላኻላይ ፍርቂ ሜዳ ኮይኑ ክጻወት ከሎ፣ ኣደኡ ካሪን ድማ ክሳዕ ንሃዛርድ ነፍሰ ጾር እትኸውን፣ ኣብ ናይ ቀዳማይ ዲቪዝዮን ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኩዕሶ እግሪ ሓያል ኣጥቃዒት ነበረት። ጸወታ ምስ ኣቋረጹ’ውን ክልቲኦም ኣሰልጠንቲ’ዮም ኮይኖም ኣብ ስፖርት ቀጺሎም። ሃዛርድ፣ “ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ” ከም ዝበሃል ኣሰር ወለዱ ብምሓዝ ካብ ብንኡሱ ምስ ኣብ ሃገሩ ዝርከባ ክለባት ምጽዋት ጀመረ። ኣብ 2005 ድማ ናብ ፈረንሳ ብምኻድ ምስ ቀዳማይ ዲቪዝዮን ክለብ ሊለ ተጸንበረ። ኣብ ስፖርታዊ ኣካዳሚ’ዛ ክለብ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ክስልጥን ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ኣብ ሕዳር 2007፣ ወዲ 16 ዓመት ምስ ኮነ ንፈለማ ግዜ ሞያዊ ጸወታኡ ጀመረ። ጌና ጀማሪ ከሎ ብዝነበሮ ብቕዓትን ክእለትን ኣብ 2007 /2008 ከምኡ’ውን ኣብ 2009/2010 ንኽልተ ተኸታተልቲ ዓመታት ናይ መጀመርታ ዘይፈረንሳዊ ተሸላሚ ናይ’ቲ ብሃገራዊ ማሕበር ሞያውያን ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ፈረንሳ (UNFP) ዓመታዊ ንዝንኣሰ ብሉጽ ተጻዋታይ ንዝወሃብ ሽልማት ክዓትር ክኣለ። ንሳልሳይ ግዜኡ ከኣ ንከም ኦሊቨየር ጁሩድ ዝኣመሰሉ ብሉጻት ተጻወትቲ በሊጹ “ናይ’ቲ ዓመት ብሉጽ ተጻዋታይ” ተባሂሉ ረዚን ክብሪ ጨበጠ። ሃዛርድ ዕድመን ተመክሮን እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን ምልከት ኵዕሶኡ’ውን ብኡ መጠን ክዓቢ’ምበር ክንኪ ኣይተራእየን። ኣብ ወቕታዊ ውድድራት ናይ 2011 – 2012’ውን ክለብ ‘ሊለ’ ናይ ፈረንሳ ሊግ ጎብለል ኮይና ድርብ ዓወት ክትጐናጸፍ ከላ፣ ሃዛርድ ድማ ናይ’ቲ ዓመት ዝበለጸን ዝንኣሰን ተጻዋታይ ሊግ UNFP ክስይየምን ክሽለምን በቕዐ። ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ንፈረንሳዊት ክለብ ሊለ ተሰናቢቱ ኣብ ሰነ 2012 ናብ’ዛ ሕጂ ዘለዋ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ግዓዘ።

ኤዲን ሃዛርድ ልክዕ ከም ንሊለ ዘዅርዓ ዝነበረ ንቸልሲ’ውን ከየሐበና ኣይተረፈን። ኣብ ፋልማይ እግሩ ቸልሲ ንኒውካስል ዩናይትድ፣ ኖርዊች ሲቲ፣ ሊድስ ዩናይትድን ኣስቶን ቪላን በብተራ ኣብ ዝድሃኸትለን ነፍሲ ወከፍ ግጥም ውሃ ዘበላ ሸቶታት ኣመዝጊቡ’ዩ። ብፍላይ’ታ ኣብ ጥሪ 2013 ቸልሲ ንስቶክ ሲቲ ኣርባዕተ ብባዶ ኣብ ዘሰነፈትሉ ጸወታ፣ ብዓኼለይቲ እግሩ ካብ 25 ሜትሮ ርሕቀት ቀሊዑ ኣብ ሰኪዔት ዘዕረፋ ሸቶ ከምኡ’ውን ንሳውዛምፕተን ካብ ኵርናዕ ብመሳጢ ቅላዕ ዘመዝገበላ ሸቶ፣ ካብ’ተን ዝጥቀሳ ሸቶታቱ’የን። ሃዛርድ፡ ሎሚ ዓመት ጋንትኡ ሻምፕዮን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ክትከውን ከላ፡ ነሱ ድማ፡ ናይ’ዚ ዓመት “ዝበለጸ ተጻዋታይ” ተባሂሉ ንሽልማት በቒዑ። ፍራንክ ላምባርድ፣ “ሃዛርድ ኩሉ ዘማልአ’ዩ፣ ገና ከኣ ወዲ 22 ዓመት ጎበዝ’ዩ ዘሎ። ብቕዲ ኣጻውታኡን ዝውንኖ ልዑል ምልከት ኵዕሶን ንመጋጥምቱ ከስግእ ዝኽእል ተጻዋታይ’ዩ” ክብል ኣብ ሃዛርድ ዘለዎ ኣድናቖት ይገልጽ። ዘይነዲን ዚዳን ብወገኑ፣ “ኤዲን ሃዛርድ ናይ ቴክኒክ ተውህቦ ዘለዎን በርቃዊ ፍጥነት ዝተዓደለን’ዩ። ኣብ ዝመጽእ ግዜ ዓቢ ኮኾብ ከም ዝኸውን ድማ ርግጸኛ’የ።” ብምባል ኣብ 2010 ተነብዩሉ ነበረ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናታሻ ንዝተባህለት ጓል ዓዱ ተመርዕዩ ያኒስን ልዮንን ኣስማቶም ቈልዑ ብምውላድ ናይ ገዛእ ርእሱ ናብራ መስሪቱ ዝርከብ ኤዲን ሃዛርድ፣ ንወለዱ ቦኽሪ’ዩ። ሰለስቲኦም ኣሕዋቱ ኸኣ ልክዕ ከምኡን ከም ወለዶምን፣ ነቲ ኣብ 2012 ኣብ ቸልሲ ዝተጸንበሮ ቶርጋን ወሲኽካ ብምሉኦም ንፉዓት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ እዮም። ካብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተወስደ