ቋንቋ እብራይስጢ

ሴማዊ ቋንቋ ብቐዳምነት ኣብ እስራኤል ዝዝረብ
(ካብ እብራይስጢ ተሰጋጊሩ)

እብራይስጢ (ብእብራይስጢ፦ עִבְרִית‎፣ ኣደማምጻ፦ /እቭሪት/ ( ስማዕ))፣ ሓደ ካብ ሴማዊ ቋንቋታት ኮይኑ ካብ ዓለም አቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘሎዎ ክሳብ ሕጂ ዝዝረብ ዘሎ ቋንቋ እዩ። ሞይቱ ዝተንሰአ ቋንቋ ተባሂሉ ውን ይጥቀስ። አዚ 24 ፊደላት ዘለዉዎ ቋንቋ አዚ አቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርያ ግዜ ዝተጻሕፈሉ ቋንቋ አዩ። ቋንቋ እብራይስጢ ዝበዝሕ ቃላቱ ከም መብዛሕቶኦም ሴማዊ ቋንቋታት ብ ሰለስት ፊደላት ዝተሰረተ እዩ ። ምስ ግዕዝ፣ ትግርኛ፣ ትግረ(ትግራይት)፣ ኣምሓርኛ፣ ኣራማይስጢ፣ ዓረብን ዝኣመሰኡ ሴማውያን ቛንቋታት ድማ ደሓን ዝኾነ ተመሳሳልነት ኣለዎ።

እብራይስጢ
עִבְרִית፣ /እቭሪት/
ዝዝረብ ኣብ እስራኤልን ኣይሁዳዊ ማሕበረ-ሰባት ኣብ መላእ ዓለምን።
ተዛረብቲ 8,049,300 (2015)
ስድራ ቤት

ኣፍሮ-ኤስያዊ
 ሴማዊ
  ማእከላይ ሴማዊ
   ምዕራባዊ ሴማዊ
    ከንኣናዊ ቋንቋታት

       እብራይስጢ
ጽሕፈት እብራይስጢ
ወግዓዊ ኩነት
ወግዓዊ ኣብ ባንዴራ እስራኤል እስራኤል
ኮዳት
ኣይሶ 639-1 he
ኣይሶ 639-2 heb
ኣይሶ 639-3 heb

ፊደላት እብራይስጢ ኣመዓራርይ

א = ኣሌፍ ב = ቤት ג= ጊመል ד = ዳለጥ ה= ሀይ ו= ዋው ז= ዛይን ח = ሔጥ ט = ጤት י= ዮድ כ= ኻፍ
ל= ላሜድ נ= ኑን ס= ሳሜኽ מ= ሜም ע= ዓይን פ= ፐ\ፈ צ= ጻዴ ק= ቆፍ ר= ረሽ ש= ሺን ת= ታቭ
እዚ ቋንቋ ባዕላ ዊኪፐድያ ኣለዋ። ክትበጽሓን ከተበርክትን ኣብ ዊኪፐድያ ብቋንቋ እብራይስጢ ትኽእል ኢኻ/ኺ።