መጽሓፍ ቅዱስ ብእኩባት ቀንዲ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ናይ እምነት ኣይሁዳውያንን ክርስትናን ዝቖመ እዩ። ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ቀዳመይቲ ዝበዝሐት ዝተሸጠት መጽሓፍ እያ።

ጉተንበርግ መጽሓፍ ቅዱስ: እታ ቀዳማይቲ ዝተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ
መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ካብ 1300. ዘፍጥረት.

ትሕዝቶን መስርዕን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝተፈላለየ ስለ ዝኾነ፥ ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ የላን። ታናኽ (እብራይስጢ፡ תַּנַ"ךְ, አደማምጻ [taˈnaχ] ወይ [təˈnax]; ካልእ አጸሓሕፋ "ታናክ")፥ መጽሓፍ ቅዱስ ናይቶም ቀንዲ ኣይሁዳውያን ኣብ 24 መጽሓፍቲ ይምቀል። ሳምራውያን ዝበሃሉ ውሑዳት ክፋል ኣይሁድ ግና 5 መጽሓፍቲ ጥራይ ኣለዎም። እተን 24 ጽሑፋት ኣይሁዳውያን ኣብ 39 መጽሓፍቲ ተመቒለን ንናይ ክርስትያን ብሉይ ኪዳን የቑማ። ቁጽሪ ምሉእ ጽሕፋት ናይ ክርስትና መጽሓፍ ቅዱስ፥ ካብ 66 መጽሓፍቲ ናይ ወንጌላውያን፥ ክሳዕ 81 መጽሓፍቲ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ይፈላለ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ኣመዓራርይ

መጽሓፍ ኣይሁድ ታናኽ፥ ኣብዘን ዝስዕባ ሰለስተ ክፋላት ይምቀል። (1) ቶራ (እብራይስጢ፡ תּוֹרָה፡ "ሕጊ") ሓሙሽተ መጽሓፍቲ ሕጊ ኮይኑ፥ መጀመርታ ታሪኽ እስራኤላውያንን ሕጎምን፥ ኪዳን ምስ ኣምላኽ እስራኤልን ይሕዝ። (2) ነቪይም (እብራይስጢ፡ נְבִיאִים፡ "ነብያት") ናይ ጥንቲ ታሪኽ እስራኤልን ይሁዳን ስራሕ ነብያትን ይሕዝ። (3) ከቱቪም (እብራይስጢ፡ כְּתוּבִים፡ "ጽሑፋት") ግጥምታትን ናይ ፍልጠት ጽሑፋትን፥ ከም በዓል መዝሙር ዳዊትን እዮብን ይሕዝ።


መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትና ኣመዓራርይ

ናይ ሃይማኖት ክርስትና መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክልተ ይምቀል። ቀዳማይ ብሉይ ኪዳን ኮይኑ 39 መጽሓፍቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ይሕዝ፡ ካልኣይ ከኣ ሓድሽ ኪዳን ኮይኑ 27 መጽሓፍቲ ድማ ኣለዎ። ወንጌላት፥ እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን፥ ብዛዕባ ህይወት ክርስቶስ የዘንትዋ። ንሰን መሰረት እምነት ክርስትና እየን።

ወላ'ኳ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትና 'ተሃለዋ፥ መስርዐን ዝተፈልየ አዩ። እቲ ናይ ኣይሁድ ጽሑፍ ብምምላስ ህዝቢ እስራኤል ናብ የሩሳሌምን ናብ ቤት መቕደስን ይውዳእ፥ መወዳእታ መጽሓፍ ብሉይ ኪዳን ክርስትና ግና ትንቢት ሚልክያስ እያ።

ታሪኻዊ ጽሑፍ ኣመዓራርይ

ካብቲ ኣብ ቀደም ዝተጻሕፈ እሞ ክሳዕ ሕጂ ጸኒሑ ዝተረኽበ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትና፥ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ብቛንቃ ግሪኽ ዝተጻሕፈ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ዝጸንሐ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ከኣ ብቛንቃ ግሪኽ ዝተቶርጎመ ካብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ዝጸንሐ እዩ። ዝነውሐ ዝጸንሐ ምሉእ ጽሑፍ: ክፋል ናይቲ ቀንዲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ተባሂሉ ዝሕሰብ፥ ማለት ልክዕ ናይ መጀመርታ ቃላት ዝሓዘ፥ ክሳዕ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ይግምገም።

ምምስራት ቀኖና ክርስትና ኣመዓራርይ

ድሕሪ ምምስራት ሃይማኖት ክርስትና ብቀዳማይ ክፍለ ዘመን፥ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ክፍለ ዘመናት፥ ሽማግለታት ኣብያተ ክርስትያናት ናይ ወንጌል ጽሑፋትን መልእኽትታት ሃዋርያትን ኣኪቦም ነዚ ሕጂ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትና ኣቖሙ። ብኸምዚ ዝተገልጸ መሰረት ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ብሓደ ሓቢሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይበሃል። ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክርስትያናዊ ሃይማኖታት ኣይኖት ጽሑፋት ከም ቀንዲ ቅዱሳት ጽሑፋት ተቐጺረን ኣብ ብሉይ ኪዳን ክጽምበራ ከም ዘለወን ክርክር ኣሎ። ወንገላውያን ነቲ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ከም ቀንዲ (ቀኖና) ይቕበልዎ። ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንን ግና መጽሓፍቲ ካልኣይ-ቀኖና ብሉይ ኪዳን ከምኡ'ውን እኩባት መጽሓፍቲ ኣይሁድን ከም ቀንዲ ጽሑፋት ይቕበልወን። ንሓድሽ ኪዳን ዘቑማ መጽሓፍቲ እዘን ዝስዕባ እየን፤ ኣርባዕተ ወንጌላት፡ ግብሪ ሃዋርያት፡ መልእኽትታት ከምኡ'ውን ትንቢት የውሃንስ እየን።

መርበብ ኣመዓራርይ