ኲናት ናጽነት ኤርትራ

ኲናት ንናጽነት ኤርትራ (1962 – 24 ግንቦት 1991) ተጋደልቲ ናጽነት ኤርትራ ካብ 1962 ክሳብ 24 ግንቦት 1991 ኣንጻር ተኸታተልቲ መንግስታት ኢትዮጵያ ዘካየዱዎ ኲናት ንናጽነት እዩ ነይሩ። ኤርትራ ካብ 1880ታት ጀሚሩ ክሳብ ኢጣልያውያን ብልፍንቲ ብመሓዙት ሃገራት ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ 1941 ዝስዓር ኣካል መግዛኣቲ ጥልያን እያ ነይራ። ከምውጽኢቱ ድሕሪ ምዝዛም ካላኣይ ኲናት ዓለም ኤርትራ ንሓጺር እዋን ኣብ ሓለዋ መግዛኣቲ እንግሊዝ ኮይና ክሳብ 1951 ዓ.ም.ፈ. ጸኒሓ። ብድሕሪ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ውሳኔ ምሕላፉ፡ ኤርትራ ኣብ 1952 ቅዋማዊት ሃገር ፈደረሽን ኢትዮጵያን ኮይና። እቲ ፌደሬሽን ንዓሰርተ ዓመት ክጸንሕ ልኡላዊ ውሳኔታት ክህልዎም፡ ከም ፓርላማን ገለ ርእሰ-ምሕደራን ዘለዎ፡ ናይ ገዛ ርእሱ ቋንቋ ማለት ትግርኛ ክገብር ተደንጊጉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ከኣ ኣብ ትሕቲ ዘውዲ ኢትዮጵያ ንክመሓደር ፍልይ ዝበለ ውሳኔ ተዋሂቡ። ኤርትራውያን ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመት ፈደረሽን ኤርትራ ናጻ ልዑላዊት ሃገር ክኾኑ ነይርዎም። ይኹን እምበር፡ እቲ እንዳዛሕተለ ዝኸይድ ዝነበረ ርእሰ-ምሕደራ ኤርትራን እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ጽልኣት ኣንጻር ንጉሳዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1962 ብገለ ምንቕስቃሳት ኤርትራ ንናጽነት ምንቅስቃስ ምትኹታኽ ተጀሚሩ።

ኲናት ናጽነት ኤርትራ
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ
ክፋል ናይ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ

ካርታ ኤርትራ ኣብ እዋን ኲናት።
ዕለት 1 መስከረም 1961 – 24 ግንቦት 1991
(32 ዓመታት)
ቦታ ኤርትራ
ውጽኢት ዓወት ኤርትራውያን (1991)።
ህዝባዊ ምርጫ ኣብ 1993።
ግዝኣታዊ ለውጥታት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ናጽነት ትረክብ (1994)።
ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ ክትበጽሖ ምኽኣላ ትስእን።
ተዋጋእቲ ሃገራት/ጉጅለታት
ህ.ግ.ሓ.ኤ
ተ.ሓ.ኤ
ሃጸያዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ (1961-1974)
ደርግ (1974-1987)
ህ.ደ.ሪ.ኢ (1987-1991)
ባንዴራ ኩባ ኩባ (ክሳዕ 1989)
ሎጂስቲካዊ ደገፍ፦
ባንዴራ ሕብረት ሶቭየት ሕብረት ሶቭየት
ባንዴራ ደቡብ የመን ደቡብ የመን
ባንዴራ እስራኤል እስራኤል
ባንዴራ ሰሜን ኮርያ ሰሜን ኮርያ
ባንዴራ ጀርመን ምብራቕ ጀርመን
ኣዘዝቲ
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
ስብሓት ኤፍሬም
ሓምድ እድሪስ ዓዋተ
ሃይለ ስላሴ
መንግስቱ ሃይለ ማርያም
ኣብ ውግእ ዝርከቡ ሓይልታት
ህ.ግ.ሓ.ኤ
500 (1962)
2,000 (1971)
15,000-20,000 (1971-1974)
10,000-15,000 (1975)
20,000 (1976)
22,000 (1982)
20,000-30,000 (1988)
ተ.ሓ.ኤ
250 (1963)
800 (1964)
1,500-2,000 (1971)
2,000 (1971)
15,000-25,000 (1975)
ባንዴራ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ
20,000 (1971)
25,000 (1974)
20,000 (1977)
100,000 (1978)} 84,000 (1982)
120,000 (1982-1991)
ባንዴራ ኩባ ኩባ
150,000 ሰራዊት
11,500 ሰራዊት (1977)
6,000 ኣማኸርቲ (1977)
3,000-4,000 ሰራዊት (1978)
ባንዴራ ሕብረት ሶቭየት ማ.ሪ.ሕ.ሶ
1,000 ኣማኸርቲ (1978)
ጉድኣት
60,000 ወተሃደራትን 90,000 ሲቪላት ሞይቶምን (1963-1991)
150,000 ሲቪላት (1965-1993)
400,000 ስደተኛታት
ዝሞቱ ወተሃደራት
ባንዴራ ኢትዮጵያ 75,000
(500,000 ኣብ ምሉእ ኲናት ሓድሕዳ)
ባንዴራ ኩባ 5,000

ገድሊ ኣመዓራርይ

ኣብ 1961 ዝጀመረ ዕጥቃዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዙሕ ታሪኻዊ መድረኻት፡ ንሓድሕዶም ዝጸላለው ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ምዕባለታት ሰጊሩ’ዩ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ነዊሕን መሪርን ቃልሲ፡ ኣብ ግንቦት 1991፡ ብኣንጸባራቒ ወተሃደራዊ ዓወት፡ ብናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ተደምዲሙ። እቲ ኣብ ዓመተ 1990-1991፡ ኣብ ግንባራት ጊንዳዕን ደቀምሓረን ዝተኻየደ ጽዑቕ ናይ ምርብራብ ውግኣት፡ መጥቃዕቲታት ደንከልን ውሽጢ ኢትዮጵያን፡ ናይ መወዳእታ ግጥም ግንባር ደቀምሓረን ምትሓዝ ኣስመራን እምበኣር፡ ድምር ውጽኢት ናይቶም ዝቐደሙ ኣገደስቲ ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን ምዕባለታት እዩ።

ምዕባሌታት ኣመዓራርይ

ኣብ ባሕቲ መስከረም ናይ 1961 ብውሑዳት ተጋደልቲ ዝተወልዐ ሰውራ ኤርትራ፡ ዝተሓላለኸ ጽንኩር እዋናት ሰጊሩ፡ በብቕሩብ ሰብኣዊን ንዋታዊን ዓቕሚን ናይ ኲናት ተሞኩሮን እናደለበ ብምኻድ፡ ኣብ መድረኽ 1977-1978 ንዝሰፍሐ መሬት ኤርትራ ሓራ ከውጽእ ክኢሉ ነበረ። እንተዀነ ብሰንኪ ገዚፍ ምትእትታው ሕብረት ሶቭየት ወተሃደራዊ ሚዛን ሓይሊ ስለዝተቐያየረ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ነቲ ብደገፍን ምኽሪን ናይ ደገ ሓይልታት፡ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ፡ ብዕብየቱን ዘመናውነትን ዝበርትዐ ሰራዊት ክሃንጽ ዝኸኣለ ተሰነይን ዓሊግደርን ደጊሙ ተቘጻጸረን። በዚ ዓወት’ዚ ፍናን ስለዝረኸበ ድማ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ተዳኺሙ እንከሎ እግሩ እግሩ ስዒብካ ምጥቅዑ ብዝብል ሓሳብ፡ ዳግም ናብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ተመሊሱ፡ ብ10 ጥቅምቲ 1985 ብግንባራት ናቕፋን ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን “ወፍሪ ባሕሪ-ነጋሽ” ዝተሰምየ ሻሙናይን ናይ መወዳእታን ወራር ኣበገሰ። ድሕሪ ናይ ክልተ ወርሒ ሓያል ምርብራብ ከኣ፡ ሰራዊት ደርግ ከቢድ ክሳራ ተሰኪሙ ሸቶኡ ምውቃዕ ስኢኑ ዘፍ በለ። መድረኽ 1986-1987 ህዝባዊ ሰራዊት ንዓቕሚ ጸላኢ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምድኻም ንምውራድ፡ ኣብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ፡ ብዙሕ ደባይን ተንቀሳቕሲን ውግኣትን ስርሒታትን ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን’ዩ። በዚ ከኣ ጸላኢ ውሽጢ መስመሩ ኣብ ምሕላው ተጸሚዱ፡ ዓበይቲ ወፍሪታት ምግባር ስኢኑ ኣብ ምክልኻል ተሓጺሩ ተረፈ።

መድረኽ ስትራተጂያዊ መጥቃዕቲ ኣመዓራርይ

ኣብ መድረኽ ጃላነት፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ብዘካየዶ ብዙሕ ስርሒታት ጸብለልታ እናተጓናጸፈ ዝመጸ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ናብ መድረኽ ስትራተጂያዊ መጥቃዕቲ ብምስግጋር፡ ኣብ መጋቢት 1988፡ ንግንባር ናቕፋ ብምፍራስ ኣብቲ ግንባር ንኣስታት 10 ዓመታት ብቐዋሚ ዓሪዱ ክረባረብ ንዝጸንሐ ብስም “ናድው እዝ” ዝፍለጥ ገዚፍ ሰራዊት ኣብ ከበባ ኣእትዩ ብምድምሳስ፡ ንኣፍዓበት ሓራ ዝገበረ ዕዉት ታሪኻዊ ስርሒት ኣካየደ። ኣብዚ ውግእ’ዚ ንመጀመርታ ግዜ፡ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ደርግ ተሰሊፎም ካብ ዝነበሩ ሶቭየታውያን ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ክልተ ኮሎኔላትን ሓደ ሓለቓ ሚእቲን ተማረኹ። በቲ ስርሒት ህዝባዊ ሰራዊት፡ ቅድሚኡ ዓጢቕዎ ዘይፈልጥ፡ 130 ሚሊ ሜትር መዳፍዕ፡ BM 21 ወንጫፊ ሮኬትን ልዕሊ 50 ታንክታትን ዝተፈላለየ ካልእ ኣጽዋርን ብብዝሒ ተተኰስትን ማረኸ። እዚ ኣጽዋራት’ዚ ምስቲ ቅድሚኡ በብግዜኡ ዝማረኽ ዝነበረ ኣጽዋራት ተደሚሩ ከኣ፡ ንመካናይዝድ ዓቕሚ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ዝያዳ ከምዝጉልበት ገበሮ።

እዚ ስትራተጂያዊ መጥቃዕቲ’ዚ ንመጀመርታ ግዜ ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ህላወኦም ኣብ ኤርትራ ክቕጽል ድዩ ኣይቅጽልን ምጥርጣር ዝፈጠረሎም እዩ ነይሩ። በዚ ድማ፡ ደድሕሪ’ቲ ስርሒት ብ31 መጋቢት 1988 ስርዓት ደርግ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ፡ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገን ናይ ክተት ኣዋጅን ኣውጽአ። በቲ ሽዑ ዝወጸ ናይ ክተት ኣዋጅ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሰራዊት ተፋንዮም ዝነበሩ ኣባላት ምዱብ ሰራዊት ይኹን ብሄራዊ ኣገልግሎት (ሃገራዊ ኣገልግሎት) ናብ ሰራዊት ክምለሱ እንከለው፡ ኣብ ታዕሊም ዝነበሩ ሓደስቲ ወተሃደራት እውን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ታዕሊሞም ወዲኦም ኣብ ቅድመ ግንባር ከምዝስለፉ ተገብረ። ብዘይካ’ዚ ደርግ፡ ሽዑ ንሽዑ ምስ መንግስቲ ሶማል ናይ ሰላም ስምምዕ ብምፍራም፡ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበረ ሰራዊቱ፡ ዓቢ ክፋል ናብ ኤርትራ ኣግዓዞ። ካብ ትግራይን ምዕራብ ኢትዮጵያን እውን፡ ሰለስተ ክፍለጦራት ብህጹጽ ናብ ኤርትራ ኣእተዎም። ኣብ ትግራይ ንሓለዋ ዝገደፎ ዓቕሚ ኣብ ውሱናት ከተማታት ስለ ዝተሓጽረ ድማ፡ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ካብ ቁጽጽር ሰራዊት ደርግ ሓራ ወጸ። ብዘይካ’ዚ ስርዓት ደርግ፡ ኣብ ምዕራብ ኤርትራ፡ ካብ ከረን ክሳብ ተሰነይ ኣሰሊፉዎ ዝነበረ ሰራዊት ብህጹጽ ስሒቡ፡ ግስጋሰ ህዝባዊ ሰራዊት ንምዕጋት፡ ኣብ ግንባር ከረን ኣሰለፎ። ብጽልዋ ስርሒት ምድምሳስ እዚ ናደው ከኣ፡ ከተማታት ተሰነይ፡ ባረንቱን ኣቑርደትን ሓራ ወጺአን፡ ሰራዊት ጸላኢ ካብ ባርካ ጠቕሊሉ ተጸርገ። ድሕሪ ምድምሳስ ናድው እዝ፡ ህዝባዊ ግንባር ዝጨበጦ ዓወት ንምምንዛዕ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝተንቀሳቐሰ ሰራዊት ብዝሑ ልዕሊ 90,000 ይበጽሕ ነበረ። ደርግ ነዚ ዓቕሚ’ዚ ኣሰሊፉ ኣብ ግንባር ከረን ናይ ሞትን ሕየትን ውግእ ኣካየደ። እንተኾነ ህዝባዊ ሰራዊት ዝተጓናጸፎ ዓወት ክምንጥል ኣይተኻእሎን። ብኣንጻሩ ህዝባዊ ሰራዊት ብምብራቕ፡ ንሳሕል ምስ ሰሜናዊ ባሕሪን ጎላጉል ሰምሃርን ዘራኽብ ሰፊሕ ቦታታት ክቈጻጸር ክኣለ። ሰራዊት ህ.ግ ነዚ ቦታታት’ዚ ምቁጽጻሩ ድሒሩ ንስርሒት ፈንቅል ባብ ዘርሓወ ዓቢ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዝነበሮ ፍጻመ እዩ። በይዝ ንምቍጽጻር ሓያል ደማዊ ኲናት ተኻየደ። ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያን፡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተደፊኦም ኣብቲ መዓስከር ዝዓረዱ ወተሃደራትን ታንክታትን ጸላኢ፡ ብዘይካ ንባሕሪ ምጥሓል ካልእ መዋጽኦ ስለ ዘይነበሮም ኣትኪሎም ተዋግኡ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ኣደዳ ሞት፡ መቝሰልቲ፡ ምምራኽን ዕንወትን ኰይኖም ተሳዕሩ። ናቫል-በይዝ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ህዝባዊ ሰራዊት ኣተወ። ድሕሪ’ዚ እቲ እናተዀብኮበ ንጥዋለት ዝኣተወ ሰራዊት ደርግ፡ ሰላማዊ ህዝቢ ጅሆ ሒዙ ኣብ ኣፍደገ ስጋለት ቀጣን ዓረደ። እዚ ኣብ ውሽጢ ጥዋለት ተሓጺሩ ዝተረፈ ሰራዊት ደርግ፡ “ረዳት ሓይሊ ብጊንዳዕ ፈንጢሱ ክመጸና’ዩ” ዝብል እምነት ስለዝነበሮ ኣትኪሉ ክዋጋእ ፈተነ። ስጋለት ቀጣን ድማ ዘይትስገር ሓዊ ኰነት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እተን ኣብ ኣፍደገ ጊንዳዕ ከባቢታት ደንጎሎ ላዕላይ ክሳብ ኣጻድፍ ሰሜናዊ ባሕሪ ተዘርጊሐን መከላኸሊ መስመር ዝሓዛ ኣሃዱታት፡ ምስቲ ምጽዋዕ ንምድሓን ካብ ዝተፈላለየ ግንባራት ብህጹጽ ተሳሒቡ ዝመጽአ ገዚፍ ሓይሊ ጸላኢ ኣብ ከቢድ ውግእ ኣተዋ። ጸላኢ ነዚ ሓድሽ ግንባር ንምፍንጣስ ዝፍትኖ ዝነበረ ጽዑቕ መጥቃዕቲታት ንምፍሻል ከኣ ኣብ ቀጻሊ ናይ ምርብራብ ግጥም ተጸምዳ። ስጋለት ቀጣን ንምስጋር፡ ህዝባዊ ሰራዊት ፈለማ ብታንክታት ዘካየዶ ፈተነ ዕውት ኣይነበረን። ብ15 ለካቲት ለይቲ ግን ኣጋር ሰራዊት፡ መካናይዝድን ሓይሊ-ባሕሪን ህዝባዊ ሰራዊት ውሁድን ዕዉትን ስርሒት ፈጸሙ። ኣባላት ሓይሊ-ባሕሪ፡ ጸላም ጉልባብ ብምግባር፡ ካብ ግራርን ናቫል-በይዝን፡ ብፈጣናት ጀላቡ 11 ግዜ ተመላሊሶም ዝተወሰኑ ተጋደልቲ ናብ ርእሲ ምድሪ ኣሰገሩ። እቲ ዝሰገረ ውሱን ሓይሊ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ጸላኢ ብዘይተጸበዮ ኣንፈት ብድሕሪት ተዅሲ ምስ ከፈተ፡ ሰራዊት ጸላኢ ዝርግርግ ኣተዎ። እዚ እናኾነ እቶም ብስጋለት ቀጣን ክሰግሩ ዝተመደቡ ታንክታትን ኣጋር ሰራዊትን፡ ብብርቱዕ ደብዳብ ተሰንዮም እንዳ በረድ በጺሖም ጥዋለት ኣተዉ። ምሉእ ለይቲን ንጽባሒቱ ረፋድን ናይ ከተማ ውግእ ድሕሪ ምክያዱ ከኣ፡ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ነቶም ሰላማዊ ህዝቢ ጀሆ ሒዞም ኣብ ጥዋለትን ውሽጢ ባጽዕን ዓስኪሮም ዝቐነዩ ወተሃደራት ቀቲሉን ማሪኹን፡ ምጽዋዕ ምሉእ ብምሉእ ሓራ ገበራ። ስርሒት ፈንቅል ብሓርነት ምጽዋዕ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ “2ይ ኣብዮታዊ ሰራዊት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰራዊት ደርግ ብመሬትን ባሕሪን ኣብ ምሉእ ከበባ ስለዝኣተወ፡ ስርዓት ደርግ ካብ ማእከል ኢትዮጵያ ብነፈርቲ ኣጽዋርን ሰራዊትን እናደረበ፡ ግንባር ጊንዳዕ ንምስባር፡ ቀጻሊን ትንፋስ ዘይህብን መጥቃዕቲታት ከካይድ ጀመረ። ዕላማ ናይቲ ካብ መጋቢት ክሳብ ግንቦት 1990 ዘካየዶ ዘይቋርጽ መጥቃዕቲታት፡ ብቐዳምነት ንግንባር ጊንዳዕ ሰይርካ መስመር ምጽዋዕ ምቍጽጻር፣ ብዓቢኡ ድማ ነቲ ግንባር ድሕሪ ምፍራስ፡ ብጎላጉል ሰምሃር ንሰሜን ብምግስጋስ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሳሕል ከይተመልሰ፡ ኣብቲ ዝኣተዎ ጐላጉል ሰምሃር ከርዲንካ ምድምሳስ ነበረ። ነዚ ውጥን’ዚ ንምዕዋት ጸላኢ፡ ኣብ ግንባር ከረንን ካልእ ከባቢታት ኤርትራን ዝነበረ ዝበዝሕ ሓይሉ ናብ ግንባር ጊንዳዕ ከሰልፎ እንከሎ፡ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር’ውን በብቝሩብ ናብቲ ሓድሽ ግንባር ጊንዳዕ ይግዕዛ ነበራ። ብኸምዚ ከኣ ግንባር ጊንዳዕ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ናብ ዓውዲ ደማዊ ውግእ ተቐየረ።

ምምስራት ግንባር ኣመዓራርይ

ግንባር ጊንዳዕ፡ ከም ኣካል ስርሒት ፈንቅል፡ ካብ ኣስመራን ካልእ ከባቢታት ኤርትራን ክመጽእ ዝኽእል ረዳት ሓይሊ ንምዕጋት ዝተመስረተ ግንባር እዩ። ብ8 ለካቲት 1990 ስርሒት ፈንቅል ጀሚሩ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ንጽርግያ ኣስመራ-ምጽዋዕ ኣብ ጋሕቴላይ ምስ በተኾ፡ ውግእ ናብ ክልተ ኣንፈት’ዩ ተመቒሉ። ክፍለ-ሰራዊት 85፡ ካብ ጋሕቴላይ ናብ መገዲ ኣስመራ ብምቕናዕ፡ ብ9 ለካቲት ደንጎሎ ታሕታይ ተቘጻጺረ። ምስ ኣሃዱታት ክፍለ ሰራዊት 61 ብምትእስሳር ከኣ፡ የማን ካብ ጊንዳዕ ክሳብ ኣጻድፍ ሰሜናዊ ባሕሪ መከላኸሊ መስመር ከምዝተሓዝ ተገብረ። ወጋሕታ 10 ለካቲት፡ ህዝባዊ ሰራዊት እንደገና መጥቃዕቲ ፈንዩ፡ ንደንጎሎ ላዕላይ ተቘጻጸረ። ድሕሪ’ዚ ብርጌዳት 85፡ ብቕልጡፍ ኣብ ከባቢ ጊንዳዕ ካብ ቦነስፒሮ ንጸጋም ዝርከብ ኣገዳሲ ጎቦ ጋሕያት ንምሓዝ ምስ ጸላኢ ኣብ ምርብራብ ኣተዋ። ክፍለ-ሰራዊት 61 ብወገኑ፡ የማን ካብ ጊንዳዕ ክሳብ ሰሜናዊ-ባሕሪ ጸላኢ ዘካየዶ ተደጋጋሚ ናይ ምፍንጣስ ፈተነታት ኣምከነ። ኣብዚ ዕለት’ዚ ገለ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 85 ንሸነኽ ርእሲ-ዓዲ ተንቀሳቒሰን፡ ምስ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 61 ብምእሳር፡ ኣብ ምክልኻል ወዓላ።

ምድልዳል ግንባር ኣመዓራርይ

ደርግ፡ ነቲ ድሕሪ ስርሒት ፈንቅል ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ዝዓረደ ህዝባዊ ሰራዊት ክፍንጥስ ካብ 1 መጋቢት 1990 - ክሳብ 27 ሚያዝያ 1990፡ ዝተፈላለየ ኣስማት ዘጠመቖም ዓበይቲ ወፍሪታት’ዩ ኣካይዱ። ነዚ ወፍሪታት’ዚ ንምፍሻል ከኣ፡ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ጽዑቕ ናይ ምክልኻል ውግእ ተጸምዳ። ጸላኢ ክፍለ-ጦራት እናበራረየ ማዕበላዊ መጥቃዕቲታት እናዛየደ ኣብ ዝኸደሉ፡ ህዝባዊ ግንባር ብወገኑ ነተን ካብ 13 ለካቲት 1990 ጀሚረን ካብ ከባቢ ጊንዳዕ ክሳብ ሰሜናዊ-ባሕሪ ኣብ ዝዝርጋሕ መስመር ኣብ ብርቱዕ ምትሕንናቕ ዝኣተዋ ክፍላተ-ሰራዊት 61ን 85ን ተወሰኽቲ ኣሃዱታት ይድረበለን ነበረ። ፈለማ፡ ብ13 ለካቲት ብርጌድ 49 ናይ ክፍለ ሰራዊት 96 ካብ ምጽዋዕ ናብ ደንጎሎ ላዕላይ ክትደርብ እንከላ፡ ንጽባሒቱ ከኣ ብርጌድ 87 ናይ ክፍለ-ሰራዊት 61 ካብ ግንባር ሓልሓል ኣብ ጋሕያት ተደረበት። ስዒቡ ብ20 ለካቲት፡ ክፍለ-ሰራዊት 70 ብምሉኡ ካብ ምጽዋዕ፡ ክልተ ብርጌዳት ናይ ክፍለ-ሰራዊት 96 ከኣ፡ ካብ ሮራመንሳዕ፡ ናብቲ ግንባር ኣተዋ እሞ፡ ግንባር ጊንዳዕ ደልዲሉ ከምዝቐውም ተገብረ።

ከምዚ ኢሉ፡ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ማዕረ ማዕረ’ቲ መጥቃዕቲታት ጸላኢ ንምፍሻል ዘካይዶ ዝነበረ ሓያል ጥምጥም፡ ዕርድታት እናሰርሐ፡ መከላኸሊ መስመሩ ከደልድል ጀመረ። ጸላኢ ብወገኑ፡ ማእለያ ዘይብሉ ኣጽዋራት ኣሰሊፉ፡ ገዛእቲ ቦታታት ብምቁጽጻሩ ዝሃቦ ብልጫ ተጠቒሙ፡ ዕርድታት ህዝባዊ ሰራዊት ንምስባር፡ ዝተፈላለየ ኣስማት ዘጠመቖም፡ ዓበይቲ ወፍርታት ብተኸታታሊ የበግስ ነበረ። ገለ ካብቶም ዓበይቲ ወፍርታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

“ዘመቻ ምጽዋዕ” ኣመዓራርይ

ኣዘዝቲ ሰራዊት ደርግ፡ ግንባር ጊንዳዕ ንምስባር፡ ፈለማ “ዘመቻ ምጽዋዕ” ዝሰመዩዎ ወፍሪ እዮም፡ ካብ 1 ክሳብ 03 መጋቢት 1990 ኣካይዶም። እዚ ወፍሪ’ዚ፡ ብየማናይን ጸጋማይን ክንፊ ግንባር ጊንዳዕ ከምኡ’ውን ብሰሜናዊ-ባሕሪ ዝተፈነወ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኰይኑ፡ ብብርቱዕ ደብዳብ መዳፍዓትን ነፈርቲን ዝተሰነየ ነበረ። ብ01 መጋቢት፡ ወጋሕታ ሰዓት 6፡00፡ ጸላኢ ኣብ ብምሉኡ’ቲ ግንባር ጽዑቕ ደብድብ ከቢድ ብረት ድሕሪ ምክያድ፡ ብወገን ሰሜናዊ-ባሕሪ ብዘሰለፎ መበል 15 ክፍለ-ጦር፡ ረፋድ፡ ንግራት-ኣውሊዕን ምትካል-ድኳንን ዝበሃሉ ቦታታት ኣጥቅዐ። ፈለማ ኣብዚ ቦታ’ዚ ዓሪደን ዝነበራ ኣሃዱታት ክፍላት-ሰራዊት 61ን 85ን ክዀና እንከለዋ፡ ጸላኢ ብሰሜናዊ-ባሕሪ ከጥቅዕ ምዃኑ ምስ ተፈልጠ ግን፡ ብርጌድ 98 ናይ ክፍለ-ሰራዊት 96 ብ26 ለካቲት ካብ ጸጋማይ ግንባር ጊንዳዕ ብምውራድ፡ ከም ትሕጃ ኣብቲ ከባቢ ከም ትጸንሕ ተገይሩ ነበረ። ኣብቲ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ መጥቃዕቲ፡ ኣሃዱታት ክፍለ ሰራዊት 85ን 96ን ንመጥቃዕቲ ጸላኢ ክምክታ ወዓላ። ብሸነኽ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 61 ዘጥቅዐ ጸላኢ ድማ፡ ናብቲ ክሕዞ ዝነቐለ ቦታታት ከይበጽሐ ተጸፊዑ ተመልሰ። ይኹን’ምበር፡ ንጽባሒቱ ዝወጠኖ መጥቃዕቲ መበገሲ ክዀኖ ዝኽእል ቦታታት ሒዙ ኣዝጊቡ ሓደረ። ኣብዚ ዕለት’ዚ ብመንተብለን ሰለሙናን ዝተንቐሳቐሰ መበል 10ይ ክፍለ-ጦር ጸላኢ’ውን ብኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ተወቒዑ ተመልሰ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ጸጋማይ ክንፊ ግንባር ጊንዳዕ፡ ጸላኢ ንክፍለ-ጦር 19 ኣሰሊፉ፡ ሰዓት 7፡45 ሓያል መጥቃዕቲ ከፈተ። ኣቐዲማ ዝኣተወት ብርጌድ ሰራዊት ጸላኢ፡ ሸቶኣ ክትሃርም ስለ ዘይከኣለት ካልእ ብርጌድ ተደሪባታ፡ ውግእ ቀጸለ። ህዝባዊ ሰራዊት ጸኒዑ ስለ ዝመከተ ግን ንድሕሪት ተመልሳ። ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ኣብዚ ናይ ምክልኻል ውግእ፡ መጥቃዕቲ ጸላኢ ኣብ ምምካት ከይተሓጽራ፡ ጸላኢ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ምክልኻል ንኽጽመድ ዘገድዶ ጸረ-መጥቃዕቲ እናፈጸማ እየን ግስጋሰ ጸላኢ ዓጊተንኦ።

ኣብዚ ቀዳማይ መዓልቲ፡ ብሰንኪ ግመን ዒፍዒፍታን ጸላኢ ከምቲ ዝወጠኖ ጽዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ከካይድ ኣይከኣለን። ግመ ኣብ ዝኸፍተሉ ዝነበረ እዋን ግን፡ ነፈርቲ ንሰራዊተን ዓቢ ደገፍ ይገብራሉ ነበራ። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ናይዚ ወፍሪ’ዚ፡ ነፈርቲ ውግእ፡ ኣብ ከባቢ በዓረዛ ንመከላኸሊ መስመር ህዝባዊ ሰራዊት ሸሞንተ ግዜ ተመላሊሰን ደብደባ። ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይል ህዝባዊ ግንባር ንምዕናው’ውን ብዙሕ ግዜ ተመላሊሰን ደብደባ።

ንጽባሒቱ ጸላኢ ብወገን ሰሜናዊ-ባሕሪ፡ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ከጥቅዕ ዝፈተነሉ ቦታታት ንጸጋም ክሳብ “ርእሲ-ሓርማዝ” ዝተባህለ ከባቢ ብምግፋሕ መጥቃዕቱ ቀጸለ። ኣብዚ ናይ ካልኣይ መዓልቲ ውግእ፡ በጦሎኒ ናይ ክፍለ-ሰራዊት 85 ብብዝሒ መውጋእትን መስዋእትን ሓይላ ስለ ዝተጓደለ፡ እቲ ቦታ ብብርጌድ 98 ናይ ክፍለ-ሰራዊት 96 ከም ዝሽፈን ተገብረ። ኣብዚ ዕለት’ዚ ብጸላኢ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ’ውን እንተዀነ ፈሺሉ ተረፈ።

ኣብዚ ካልኣይ መዓልቲ፡ እቲ ግንባር ብግመ ተዓፊኑ’ኳ እንተ ነበረ፡ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 1፡00 ግመ ስለ ዝኸፈተ፡ ክልተ ነፈርቲ ውግእ ደብዳብ ንምክያድ ደበኽ በላ። እንተዀነ ብኡ ንብኡ ሓንቲ ካብተን ነፈርቲ፡ ሚግ-23 ቍ.1302 ብኣሃዱታት ጸረ-ነፈርቲ ህዝባዊ ሰራዊት ስለ ዝተወቕዐት ክሃድማ ተቐሰባ። ኣብ ከባቢ ኣስመራ ክበጽሓ ከለዋ፡ ኣብራሪ (ፓይለት) ናይታ ተወቒዓ ትነድድ ዝነበረት ነፋሪት ሌ/ኮ ክንፉ ሃብተወልድ ዘሊሉ ክድሕን እንከሎ፡ ብኣንጻሩ፡ እታ ኮሎኔል ጥላሁን ቦጋለ ዝመርሓ ዝነበረ ካልኣይቲ ሚግ-23 ቍ.2294 ምስታ እናነደደት ብዘይ መራሒ ኣብ ሰማይ ዕንክሊል ትብል ዝነበረት ነፋሪት ተጋጨወት’ሞ፡ ንሱን ነፋሪቱን ኣብ ከባቢ ጸሎት ተኸስኪሶም ወደቑ።

ኣብ ግጥም 2 መጋቢት፡ ነቲ ብሸነኽ ሰሜናዊ ባሕሪ ዘጥቅዕ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ንምጉንዳብ፡ ከምኡ’ውን ንመዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ውጽኢታዊ ርሕቀት ተዅሲ መዳፍዕ ንምእታው ኣብ ዘኽእል ቦታ ንምብጻሕ፡ ብጸጋማይ ግንባር ከባቢ ዓዶሮሶ፡ ክፍለ-ሰራዊት 88፡ ሓያል መጥቃዕቲ ፈንዩ፡ ኣገደስቲ ቦታታት ተቘጻጸረ። ኣብዚ ከባቢ’ዚ ድማ ብክልቲኡ ወገን ክሳብ 5 መጋቢት፡ ብመጥቃዕቲን ጸረ-መጥቃዕቲን ርሱን ግጥም ቀጸለ።

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ፡ ጸላኢ ሓያል መጥቃዕቲ ፈንዩ፡ ብዝተፈላለየ ሸነኻት ሓያሎ ቦታታት ክቈጻጸር ክኢሉ ነበረ። እዚ ጻዕቂ ደብዳብ ሞርታራትን መዳፍዕን ጉልባብ ገይሩ ናብ ስትራተጂያዊ ቦታታት ዝተጸግዐ ሓይሊ ጸላኢ፡ ቀልጢፉ ክጽረግ ስለዝነበሮ ከኣ፡ ኵለን ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት በብሸነኸን ጸረ-መጥቃዕቲ ብምፍናው ደፊአን መለሳኦ።

ኣብቲ ሳልስቲ፡ ከም መናውራ ናይቲ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት፡ ኣብ ግንባር ከረን ብክልቲኡ ወገን ምልውዋጥ ተዅሲ ከቢድ ብረት ይካየድ ነበረ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ከባቢ ዓረዛ፡ ለይቶን፡ ደቆጽንዓን እውን ንኣሽቱ ረጽምታት ነበረ። ምስዚ “ዘመቻ ምጽዋዕ” ዝተሰምየ ወፍሪ’ዚ ብዝተኣሳሰረ፡ ኣብ ጸጋማይ ግንባር ጊንዳዕ እውን፡ ኣብ ከባቢ ኩበ ናይ ደርግ ክፍለ-ጦራት 19ን 17ን እናተቐያየሩ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት የካይዱ ነበሩ። ስትራተጂያዊ ጎቦ ኩበ፡ ብ25 ለካቲት’ዩ፡ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ጸላኢ ዝኣተወ። ግስጋሰ ጸላኢ ንምዕጋትን ኩበ ደጊምካ ንምቍጽጻርን ከኣ፡ ክሳብ 10 መጋቢት ዝያዳ ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ መሪር ውግእ ተኻየደ። ድሕሪ’ዚ ጸላኢ ከቢድ ክሳራታት ወሪድዎ መጥቃዕትታቱ ክዝሕል ምስ ጀመረ፡ ክፍለ-ሰራዊት 70ን ሓደ ብርጌድ ክፍለ-ሰራዊት 96ን (ብርጌድ 91) ኩበ ንምቍጽጻር ጸረ-መጥቃዕቲ ፈነው። እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣቐዲሙ ብ8 መጋቢት ክካየድ’ኳ ተመዲቡ እንተ ነበረ፡ ክሳብ ዕለት 10 ከየቋረጸ ዝናብ ይዘንብ ስለ ዝነበረን መሬት ብግመ ስለ ዝተሸፈነን፡ ክትግበር ኣይከኣለን። ህዝባዊ ሰራዊት፡ ግመ ዝተቐንጠጠሉ ኣጋጣሚታት፡ ሞርታራቱን መዳፍዕቱን ኣብ ዒላማታት ጸላኢ ንምእሳር ክጥቀመሉ እንከሎ፡ ጸላኢ ብወገኑ፡ ኣብ ምክልኻል ኣድሂቡ ድፋዕ ኣብ ምስራሕን ነቶግቲ ኣብ ምቕባርን ይጓየ ነበረ። 11 መጋቢት ወጋሕታ ግመ ስለ ዝኸፈተ፡ ሰዓት 6፡00 ንግሆ ተጋደልቲ፡ ብጽዑቕ ደብዳብ ሞርታራትን ረሻሻትን ተሰንዮም፡ ብቕጽበት መጥቃዕቲ ጀመሩ። እቲ ድሮ ሸቶኡ ኣሲሩ ዝነበረ ሞርታራትን መዳፍዓትን፡ ኣብቲ ውግእ ዝለዓለ ተራ እዩ ተጻዊቱ። ነዚ ዘረጋግጽ ተጋደልቲ ንኩበ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ኣብቲ ቦታ ዝጸንሐ ዘሰንብድ ብዝሒ ምዉታት ወተሃደራት ጸላኢ እዩ።

እዚ ስትራተጂያዊ ቦታ’ዚ ኣብ ኢድ ተጋደልቲ ምእታዉ፡ ኣብ መላእ’ቲ ግንባር ክፈጥሮ ዝኽእል ለውጢ ዝተረድኦ ጸላኢ፡ ደጊሙ ንምቁጽጻሩ፡ ንጽባሒቱ 12 መጋቢት ንክፍለ-ጦር 19 ኣሰሊፉ ሓያል ፈተነ ክገብር ወዓለ። ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት፡ ዘጋጥመን ዝነበረ ከቢድ ክሳራ ተጻዊረን ተሪረን ስለ ዝመከታ ግን፡ እቲ ፈተነ ክዕወት ኣይከኣለን። ውግእ ኩበ፡ ከቢድን ተጻዋርነት ዝሓትትን ስለ ዝነበረ፡ ወተሃደራት ጸላኢ ብብዝሒ፡ ንነብሶም ባዕሎም እናወግኡ ካብቲ ውግእ ይእለዩ ከምዝነበሩ ናይ ሽዑ ሰነዳት ጸላኢ ይሕብሩ። እዚ ተርእዮ’ዚ ኣብ ኵለን ኣሃዱታት ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ዝርአ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጸ ክፍለ-ጦር 17ን ሚሊሻ ሰራዊትን ግን ኣዝዩ ግኑን ከምዝነበረ ጸብጻባት ጸላኢ የመልክት።

ብኣጠቓላሊ፡ ግንባር ጊንዳዕ ንምስባር፡ ብሰሜናዊ ባሕሪ ብመንተብለን ሰለሙናን፣ ብጸጋማይ ክንፊ ከባቢ ኩበ፣ ብየማናይ ክንፊ ከባቢ ርእሲዓዲ ዝተኻየደ ቀዳማይ መጠነ-ሰፊሕ “ዘመቻ ምጽዋዕ”፡ ክፍለጦራትን ተደረብቲ ኮማንዶ ብርጌዳትን ጸላኢ እናተበራረዩ፡ ኣሃዱታት ከቢድ ብረትን ነፈርቲ ውግእን ልዑል ደገፍ እናገበሩ ሓያል ፈተነ እኳ እንተካየዱ፡ ጸላኢ ዝወጠኖ ሸቶታት ከይሃረመ ፈሺሉ ተረፈ። በዚ ፍሽለት’ዚ ግን ደርግ ኣይተዓገሰን። ብኡ ንብኡ “ደም-መላሽ” ዝሰመዮ ካልኣይ ወፍሪ ኣስዓበ።


“ዘመቻ ደም-መላሽ” ኣመዓራርይ

ስርዓት ደርግ ኣብ ቀዳማይ መጥቃዕቱ፡ ዝወጠኖ ሸቶታት ክሕዝ’ኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ናብ ጸጋማይን የማናይን ግንባር ስለዝተመጠ፡ እቲ ማእከላይ ግንባር (ቀንዲ መስመር ኣስመራ ምጽዋዕ) ረቒቑ ይኸውን ዝብል ግምት ወሰደ። በዚ ድማ ብማእከል በሲዕካ ደንጐሎ ንምቍጽጻር ተኽእሎ ዘሎ ኮይኑ ተራእዮ። ድሕሪ’ቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድማ ሓይሉ ኣጠናኺሩ፡ ንተራራ ክፍለ-ጦር 18ን ሰንጥቕ መካናይዝድ ብርጌድ 16ን ኣሰሊፉ፡ ብ7 መጋቢት ወጋሕታ ሰዓት 4፡00 ጽዑቕ ደብዳብ ከቢድ ብረት ኣሰንዩ፡ ክፍለ-ሰራዊት 85 ዓሪዱሉ ብዝነበረ ድፋዓት ክፍንጥስ ተበገሰ። ብርጌዳት ክፍለ-ሰራዊት 85፣ ብርጌድ 22 ኣብ ማእከል ጽርግያ፡ 18 ኣብ ጎቦ ጋሕያት፡ 82 ኣብ ሩባ ማይ ኣድከሞምን ካብኡ ንጸጋም ዘሎ ቦታታትን ዓሪደን ነበራ። ካብ ጽርግያ ንየማን ንሸነኽ

ሓመልማሎ ከኣ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 61 ኣሲረን ነበራ። ውጥን ዘመቻ ደም-መላሽ፡ ክፍለ-ጦር 18 ብምሉእ ዓቕሙ ንጎቦ ጋሕያትን ካብኡ ንሰሜናዊ ምብራቕ ዘሎ ድፋዓትን ሰይሩ ብምዝርጋሕ ንደንጎሎ ክጽጋዕ፣ መካናይዝድ ብርጌድ 16 ብማእከል ጽርግያ ሰንጢቑ፡ ነቶም ምስኡ ዝተሰለፉ ኣጋር ሰራዊት ብከቢድ ብረት እናደገፈ ክሳብ ደንጎሎ ታሕታይ ዘሎ ኣገደስቲ ቦታታት ክቆጻጻር ዝዓለመ ነበረ። ህዝባዊ ሰራዊት ብዝገበሮ ሓያል መኸተ ግን፡ እዚ ንክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ህንዱድ ወፍሪ፡ ተልእኾኡ ከይፈጸመ ፈሸለ። ኣብዚ ግጥም’ዚ፡ ጸላኢ ጻዕቂ ደብዳብ ከቢድ ብረት፡ ታንክታትን ብዝሒ ሰራዊትን ተጠቒሙ፡ ኣብ ገለ ይደፍእን ቦታታት ይቈጻጸርን ነይሩ እዩ። እንተዀነ፡ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ነቲ ውጥን ተረዲኡ፡ ስልቲ ብምቕያር፡ ነቲ ዝደፍእ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢን ታንክታትን ንውሽጢ ብምስሓብ ከርዲኑ ከትርፎ ይፍትን ብምንባሩ፡ ጸላኢ እውን ነዚ ተገንዚቡ ስግኣት ስለ ዝሓደሮ፡ ሰራዊቱ ንድሕሪት ስሒቡ ናብ ምክልኻል ክምለስ ተቐሰበ።  

ደብዳብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣመዓራርይ

ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ደማዊ ምርብራብ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ስንቂን ኣጽዋርን ተደራቢ ሓይሊን ዝረኽበሉ እንኮ መስመር መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ’ዩ ዝነበረ። በዚ ድማ ህዝባዊ ግንባር፡ ንመዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዒላማ ክገብሮ ግድን ነበረ። ሓጺር መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ከኣ፡ ካብቲ ድሮ ኣጽኒዑ ዝተቘጻጸሮ ግንባር ጊንዳዕ፡ ብ130 ሚሊ ሜትር መድፍዕ፡ ንመዓረፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከረኻኽበሉ ከምዝኽእል ኣረጋገጸ። ብ17 መጋቢት 1990 ከኣ፡ ኣብ ማይሽሮ መዳፍዕ ብምትካል፡ ካብ ሰዓት 4፡20 ክሳብ 6፡25 ድሕሪ ቐትሪ፡ ንፈላማ ግዜ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ 80 ቦምባታት ከቢድ ብረት ኣዝነበ። እዚ ናይ ፈተነ ቦምባታት፡ ኣብ ሸውዓተ ከባቢታት ኣስመራ ማለት፣ ድሕሪ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ገጀረት፡ ፎሮብያ፡ መዓስከር ወተሃደራት ሰምበል፡ ጸጸራት፡ ገዛ-ከኒሻ፡ ከባቢ ባሕቲ መስከረምን መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራን ወደቐ።

እዚ ፍጻመ’ዚ ንጸላኢ ከቢድ ራዕዲ ፈጠረሉ። ኣብ ኣስመራ ቦምባታት ክወድቕ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዝነበረ ሰራዊት ብርቡሽ መንፈስ ነናብ መዓስከራቱ ክጐዪ ተራእየ። ኣባላት ሰራዊትን ደህንነትን ደርግ ከኣ፡ ቦምባታት ኣብ ዝወደቑሉ ከባቢ፡ ‘ኣስተኳሽ’ (ሓበርቲ ተዅሲ ናይ ሻዕብያ) ኣለው እናበሉ፡  ዝጠርጠሩዎም ሲቪል ሰባት ኣብ ምእሳር ኣተዉ። ነዋሕቲ ርሻናትን ኣብያተ ክርስትያንን፡ ሓበርቲ ተሓቢኦምሉ ክህሉዉ ይኽእሉ’ዮም ብዝብል ጥርጣረ፡ ብፍሉይ ተኸበበን ተፈተሸን። እዚ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ደብዳብ፡ ንህዝቢ ኣስመራ ብመጠኑ ዘስንበደ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝቐጸለ መዓልታት ግን ህዝቢ ለሚድዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ብስራት ምቕራብ ዕለተ-ናጽነት ስለ ዝረኣዮ ብኣንጻሩ ድሃዩ ክሰምዕ ክህንጠ ጀመረ።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ደርግ፡ ናብታ ዘይቀበጹዋ ምጽዋዕ ንምምላስ ናይ ሞትን ሕየትን ውግእ እናካየዱ፡ ደብዳብ መዳፍዕ ተወሳኺ ሕማም ርእሲ ኮኖም። ናብ ኣስመራ ዝድብድብ ዝነበረ መዳፍዕ ንምድምሳስ ከኣ ጽዑቕ ናይ ነፈርቲን ኣጋርን ስለያዊ ዳህሳስ ከካይዱ ጀመሩ። ነፈርቲ ብቐጻሊ እናዘንበያ እቲ መዳፍዕ ኣብ ዝትኩሰሉ እዋን ተኸታቲለን ክጥቅዕኦ፡ ነዊሕ ርሕቀት ዝሽፍን መዳፍዕ ጸላኢ ከኣ ናብኡ ክቐንዕ ትእዛዝ ተዋህበ። እንተዀነ፡ ንደብዳብ መዳፍዕ ህዝባዊ ሰራዊት ከዐግስዎ ኣይከኣሉን። ክሳብ ድሮ ናጽነት ድማ ቀጸለ። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብ26 መጋቢት 1990 ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ድግድግታን ጋሕተላይን ክድብድባ ካብ ዝበረራ ክልተ ነፈርቲ ኲናት ጸላኢ፡ ሓንቲ ሚግ-21 ብጸረነፈርቲ ህዝባዊ ግንባር ተሃሪማ ኣብ ከባቢ ዓድዕለ ክትወድቕ እንከላ፡ ኣብራሪኣ ዝነበረ ምክትል ሓለቓ ሚእቲ ኣባይነህ ሃይሉ ተማረኸ።

ውግእ ሰሜናዊ-ባሕሪ ኣመዓራርይ

እዚ ግጥም’ዚ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ርእሲ-ዓዲን ኳዜንን ጸላኢ ሰራዊት ስለዘጽዓቐ፡ ሓያል መጥቃዕቲ ክፍኑ ምዃኑ ተገምጊሙ ነበረ። በዚ ከኣ ህዝባዊ ሰራዊት ኣተሓሕዛኡ ከደልድልን ሓይሊ ክውስኽን ተጓየየ። ኣብቲ ግንባር ዓሪደን ዝነበራ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 96 እየን። ብርጌድ 98 ካብ ግራት-ኣውሊዕ ክሳብ ክሳድ-ኣልጌን፡ ብርጌድ 91 ካብ ክሳድ ኣልጌን ክሳብ ጽርግያ ፍልፍል-ኩዶ፡ ብርጌድ 49 ካብ ጽርግያ ፍልፍል ክሳብ ዒላዒሮ ሒዘን ነበራ። ወሃብ ደገፍ ሓደ በጦሎኒ ከቢድ ብረት ድማ ምስአን ተሰሊፉ ነበረ። እቲ ቦታ ሰፊሕ ስለ ዝነበረ፡ ጋንታታት ስለያ ንቕድሚት ብምሕላፍ’ዩ ምቍጽጻር ዝግበረሉ ነይሩ። ብርጌድ 98 ኣብ ግራት-ኣውሊዕ ነዊሕ ስለ ዝዓስከረት፡ ድፋዕ ሰሪሓ ነበረት። ካብ ርእሲ-እምባደርሆ ንየማነ ግን ስፍሓት ቦታ ስለዝነበሮን ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ዝተቐያየራሉ ቦታ ብምንባሩን ዘተኣማምን ድፋዕ ኣይነበሮን።


ናይ ጸላኢ ክፍለ-ጦር 22፡ ብ19 ሚያዝያ ሰዓት 4፡00 ወጋሕታ፡ ብጹዑቕ ደብዳብ ከቢድ ብረት ተሰንዩ ኣብ መዛግብ ህዝባዊ ሰራዊት መጥቃዕቲ ከፈተ። ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍ-ገረብ ዝተባህለ ዕርዲ ሓያል ግጥም ተኻየደ። ብሽነኽ ሳቡር-ሰጊ ድልዱል መከላኸሊ መስመር ስለ ዘይነበረ፡ ጸላኢ ንቐዳማይ መከላኸሊ መስመር ክቆጻጸሮ ኣይተጸገመን። ኣብ ካልእ ቦታታት’ውን ተመሳሳሊ ሓያል መጥቃዕቲ ፈነወ። ህዝባዊ ሰራዊት ግን ጸኒዑ ተኸላኸለ። ድሕሪ’ዚ እቲ ብሸነኽ ሳቡር ሰጊ ጸላኢ ሒዝዎ ዝነበረ ቦታታት ብጸረ-መጥቃዕቲ ከም ዝምለስ ተገብረ። ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ሰራዊት ጸላኢ ብሸነኽ ርእሲ-እምባደርሆ፡ ሓይሊ ኣጽዒቑ ፈንጢሱ ብምሕላፍ ንርእሲ-እምባደርሆ ተቘጻጸረ።

ናብ 20 ሚያዝያ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ክፍለ-ጦር 22፡ ዓቕሚ ደሪቡ፡ ኣብ ግራት-ኣውሊዕን ኣፍ-ገረብን ክረባረብ ሓደረ። ሰዓት 3፡00 ናይ ለይቲ ከኣ ንመከላኸሊ መሰመር ኣፍ-ገረብ ኣፍሪሱ፡ ብጸጋም ኣግፊሑ ዓቕሚ እናደረበ ብቐጻሊ ፈተነታት ከካይድ ወዓለ። ናብ 21 ሚያዝያ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ረዳት ዝመጻ ኣርባዕተ ሓይልታት ናይ ክፍለ-ሰራዊት 52፡ ምስ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 96 ተደሪበን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብ ምድላው እንከለዋ፡ ክፍለጦር 22 ቀዲሙ ሰዓት 4፡00 ወጋሕታ መጥቃዕቲ ከፈተ። ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ከኣ፡ ዝተኸፍተለን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክልኻል፡ ጸረ-መጥቃዕቲ ብምግባር ልክዕ ሰዓት 12፡00 ቀትሪ ንግራት-ኣውሊዕ ተቘጻጸራኦ። ብ22 ሚያዝያ ክፍለ-ጦር 22፡ መጠናዊ መጥቃዕቲ’ኳ እንተካየደ፡ ተጸፊዑ ተመልሰ። እንተዀነ ንጽባሒቱ 23 ሚያዝያ ዝደኸመ ኣሃዱታቱ ቀያይሩ፡ ብጽዑቕ ደብዳብ ተሰንዩ፡ ነቲ ብዕለት 21 ሒዝዎ ዝነበረ ቦታታት ዳግም ንምምላስ ሓያል መጥቃዕቲ ብምፍናው ደጊሙ ክቈጻጸሮ ከኣለ። ክፍለ-ሰራዊት 96፡ ዝተደፍአ ኣሃዱታቱ ዳግም ወዲቡ፡ ክልተ ሓይሊ ናይ ክፍለ-ሰራዊት 16 ብምድራብ፡ ብ24 ሚያዝያ ሰዓት 18፡00 ምሸት መጥቃዕቲ ፈነወ። ሰዓት 23፡00 ከኣ መከላኸሊ መስመር ግራት-ኣውሊዕ ብምሉኡ ተቘጻጸሮ።   ብድሕሪ’ዚ ንርእሲ-እምባደርሆን ከባቢኡን ካብ ኢድ ጸላኢ ንምምንዛዕ፡ ክፍለ-ሰራዊት 52 ጸረ-መጥቃዕቲ ኣካየደ። ክደፍእ ክድፋእ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ 25 ሚያዝያ፡ ካብ ክፍለሰራዊት 16 ሓደ በጦሎኒ፡ ካብ ክፍለ-ሰራዊት 96 ክልተ በጦሎኒ ተደረባኦ። እዘን ኣሃዱታት፡ ብደብዳብ መዳፋዓትን ሞርታራትን ዝተሰነየ ጸረ-መጥቃዕቲ ንምክያድ እናተዳለዋ ከለዋ፡ ጸላኢ ግንባር ጊንዳዕ ዝካየድ ዝነበረ መጥቃዕቲ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝፈሸለ ክፍለ-ጦር 21 ናብ መበገሲ ቦታኡ ክምለስ ተኣዘዘ’ሞ፡ 27 ሚያዝያ 1990፡ ኣብኡ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ናብ መበገሲ ቦታኡ ኣዝለቐ።

ስርዓት ደርግ በዚ ንኣስታት ስለስተ ኣዋርሕ ዘካየዶ ተኸታታሊን መጠነ-ሰፊሕን ወፍሪታት እኳ እንተ ዘይተዓወተ፡ “ዓቕሚ ህዝባዊ ግንባር ተዳኺሙ ይኸውን” ካብ ዝብል ገምጋም፡ ብዘይካ፡ ሓይሊ እናወሰኽካ ቀጻሊ ወፍርታት ብምብጋስ ውግእ ምቕጻል ካልእ ይርኣዮ ኣይነበረን። ብርግጽ ድማ መስመር ኣስመራ-ምጽዋዕ ካብ ምኽፋት ወጻኢ ካልእ ካብ ስዕረት ዘድሕን ወተሃደራዊ ኣማራጺታት ኣይነበሮን።

ስርዓት ደርግ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጭኑቕ ኩነተ ኣእምሮን ናይ ቅብጸተ ተስፋ ህልኽን እንከሎ፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ጸላኢ ዓሰርተ ግዜ ሰራዊቱን ኣጽዋርን እናደረበ ዘካይዶም ወፍሪታት ንምምካት ልኡም ኰይኑ ክጽበ ምርጫኡ ኣይነበረን። ነቲ ሓደገኛ ውጥን ጸላኢ ንምምካን ካልእ ስልቲ ክጥቀም ነበሮ።

ጸላኢ ድሕሪ’ዚ ዝተጠቕሰ ፍሹል ወፍርታት፡ “ዘመቻ ኣሉላ” ዝተሰምየ ካልእ ሓድሽ ወፍሪ ንምብጋስ መደብ ሒዙ ነይሩ እዩ። ስልቲ ናይዚ ወፍሪ’ዚ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ብዙሕ ዝፍለ ከምዘይኮነ ይግመት። ጸላኢ ነዚ ወፍሪ’ዚ ኣብ ምቅርራብ እንከሎ ግን፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ደቡብ ኤርትራ መጥቃዕቲ ከፊቱ ከተማታት ክቈጻጸር ስለ ዝጀመረ፡ እቲ ውጥን በርዓነ።   ኣብዚ ብስርሒት ፈንቅል ዝተጨበጠ ዓወት ንምዕቃብ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ዝተኻየደ መሪርን ደማዊን ምርብራብ፡ ኣስታት 3000 ተጋደልቲ ከምዝተሰውኡ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብቲ ካብ 8 ክሳብ 29 ለካቲት 1990 ንኣስታት 20 መዓልታት ምጽዋዕ ንምሓዝን ረዳት ጸላኢ ኣብ ደንጎሎን ሰሜናዊ ባሕሪን ንምሕናቑን ዝተኻየደ ከም ኣካል ስርሒት ፈንቅል ዝውሰድ መጥቃዕቲታት ዝተሰውኡ ተጋደልቲ 1100 ምንባሮም ኣብ ግምት ምስዝኣቱ፡ እቲ ኣብ ምርብራብ ግንባር ጊንዳዕ ዝተኸፍለ ዋጋ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምንባሩ ንምርዳእ ኣየጸግምን። ህዝባዊ ሰራዊት ነዚ ብብርቱዕ ደብዳብ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣጽዋራትን ነፈርቲን ዝተሰነየ ወፍርታት፡ ከቢድ መስዋእቲ እናኸፈለ ተሪሩ ስለ ዝመከቶ፡ ጸላኢ ኣብዚ ወፍርታት’ዚ፡ ዝዀነ ናይ ቦታ ለውጢ ከምጽእ ኣይከኣለን። ኣስታት 30,000 ሰብኣዊ ክሳራ ከምዘጋጠሞ ድማ ሰነዳት ጸላኢ የረጋግጽ።

ምድልዳል ግንባር ደቀምሓረ ኣመዓራርይ

ኣዘዝቲ ሰራዊት ደርግ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ከቢድ ምርብራብ ግንባር ጊንዳዕ ስለዝተሃስየ፡ ብሸነኽ ደቡብ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክፍኑ ይኽእል’ዩ ዝብል ገምጋም ኣይነበሮምን። ምምስራት ግንባር ደቀምሓረ መሸንቆቛ ጸላኢ ዘጽበበ፡ ንጸላኢ ኣዝዩ ኣገራሚን ኣሰንባዲን ፍጻመ’ዩ ነይሩ። በዚ ድማ፡ መግዛእታዊ ስርዓት ደርግ፡ ናብ ተስፋ ምቝራጽን ዓቕለ-ጽበታዊ ምዕልባጥን ኣምርሐ። ናይ መጨረሽታ ክገብሮ ዝኽእል ዝነበረ፡ ካልእ ዘይተሓስበ ዕድላት ክሳብ ዝርከብ፡ ኣብ ግንባር ደቀምሓረ፡ ኣደልዲልካ ብምዕራድ ግዜ ምዕዳግ ጥራይ እዩ። በዚ መሰረት፡ ጸላኢ ኣብ ጸቢብን ንምክልኻል ምቹእ ዝዀነን ቦታታት፡ ብዙሕ ሰራዊትን ኣጽዋርን ኣገዲሙ ኣብ ፍጹም ምክልኻል ኣተወ።

ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ዝተረኽበ ተዛማዲ እፎይታ፡ ህዝባዊ ግንባር ብቕዓት ሰራዊቱ ዝያዳ ክብ ንምባል ተጠቕመሉ። ምልከት ኣጽዋር ንምዕባይ ኣብ ትምህርቲ ኣድሃበ። ነብሲወከፍ ኣሃዱ ናይ ገዛእርእሳ ሓይሊ ኮማንዶ ከምዝህልዋ ብምግባር ድማ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከምዝካየድ ገበረ። ንጽፈት እዝን ቁጽጽርን ዝሕግዝ ሓያሎ ትምህርታዊን ምምሕዳራዊን መደባት ኣሰላሰለ። ዓቕሚ ህዝባዊ ሚሊሻን ዞባዊ ሰራዊትን ብዓቕሚ ሰብን ኣጽዋርን ዝያዳ ደልደለ።ህዝቢ ደቡብ፡ ዝያዳ ካልእ ግዜ ብጋንታታት ተወዲቡ፡ ዕጥቅን ስንቂን ኣብ ምምልላስ፡ ድፍዓትን ጽርግያታትን ኣብ ምህናጽ ምስ ህዝባዊ ሰራዊት ብልዑል ውህደት ይሳተፍ ነበረ።  ኵሉ’ዚ ምድላዋት ድማ ናብ ዛዛሚ ኲናትን ምርግጋጽ ናጽነትን ዝቐንዐ ነበረ።

ተበግሶ ነሓሰ 1990 ኣመዓራርይ

ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ነሓሰ 1990 ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከካይድ ወጠነ። ናይዚ መጥቃዕቲ’ዚ ዕላማ፡ ደቀምሓረን ከባቢኡን ብምቍጽጻር፡ ከባቢ ወቐርቲ ብምብጻሕ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ተዅሲ መዳፍዕ ምእታው፣ ንሸነኽ ምዕራብ ንመስመር ኣስመራ መንደፈራ ኣብ ከባቢ ተራእምኒ ድባሩዋ በቲኽካ፡ ኣብ ሰራየ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ምቝራጽ፣ ምዕባለ ናይቲ ውግእ ተራእዩ ድማ፡ ግንባራት ጊንዳዕን ዓዶሮሶን ውሽጢ ስለዝተርፉ፡ ሰራዊት ጸላኢ ንድሕሪት ክስሕብ ዘገድዶ ሃዋህው ምፍጣር ነበረ። እንተዀነ እቲ ውግእ ንጸላኢ ናይ ሞትን ሕየትን ሕቶ ስለዝነበረ፡ ዘለዎ ዓቕሚ ኣጽዋርን ሰራዊትን ብምኽታት፡ ትሕጃታት እውን ኣዋዲዱ ጸኒዑ ንምክልኻል ተዳልዩ ነበረ።

ኣብዚ ናይ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ መጥቃዕቲ’ዚ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት፡ ኣብ ኣፍደገ ሓሊቦን እንዳደቆን ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ጸራሪጉ፡ ንዓዲ-ምሕጹን፡ ጎደይቲ፡ ማይሑጻ፡ ዓዲንፋስ፡ ውጡሕን ማይዕዳጋን ሓራ ገበረ። እንተዀነ ኣብ ከባቢ ጉራዕን ከባቢኡን ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕንቅፋት፣ ከምኡ’ውን ታንክታት ህዝባዊ ግንባር ናይ ቅርጺ መሬትን ወሓይዝን ካልእን መሰናኽላት ስለዝገጠመን፡ ጎላጉል እገላ-ሓመስ ክሰግራኦ ኣይከኣላን። በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ እቲ ዝተወጠነ ሸቶ ከይተሃርመ ተረፈ። ብድሕሪ’ዚ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ኣንፈት ብምቕያር፡ ንብርጌድ 87 ናይ ክፍለ-ሰራዊት 61፡ ከምኡ’ውን ክፍለ-ሰራዊት 16ን ክፍለ-ሰራዊት 52ን ኣሰሊፉ፡ ካብ ዓዲሃርም የማን ክሳብ ከባቢ ሕረት ብ14-15 ነሓሰ 1990 ዳግማይ መጥቃዕቲ ኣካየደ። እዚ’ውን ከምቲ ዝድለ ውጽኢት ኣይተረኽቦን።

ኣብ መስከረም 1990፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ በረኽቲ ቦታታት ሰሰብ ሓያል መጥቃዕቲ ፈነወ። ክሳራ ሰብን ንዋትን ምስ በዝሖ ግን መጥቃዕቱ ኣቋረጾ። ካብ መስከረም 1990 ንደሓር፡ ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ዳርጋ ውግእ ኣይተኻየደን። ጸላኢ መወዳእታ እናቐረበ ይመጽእ ከምዝነበረ ብምግንዛብ፡ ካብ ዓቕሊ ምጽባብ ዝተበገሰ ገለ ስጕምቲ ክወስድ ተደናደነ። ግንባር ደቀምሓረ ብተዛማዲ ኣብ ዝረግኣሉ ግዜ፡ ጸላኢ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1991 ብዓዲዃላን መረብን ኣቢሉ፡ ዓድዋን ሽረን ብምቁጽጻር መስመር ጎንደር ክኸፍት ፈቲኑ ነይሩ። እንተዀነ ብሓይልታት ህዝባዊ ግንባርን ወያነን ተደፊኡ ተመልሰ።

ዛዛሚ ግጥም   ሰርዓት ደርግ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ውግኣት እናካየደ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እውን ብመጥቃዕቲታት ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተሸጊሩ ነበረ። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ወያነን ከኣ፡ ውድቀት ስርዓት ደርግ ንምቅልጣፍ፡ ወተሃደራዊ ስርሒታቶም ዘወሃህድ መደባት ሓንጸጹ። በቲ መደብ መሰረት፡ ሓደ ቦጦሎኒ ታንከኛ፡ ሓደ ቦጦሎኒ መድፍዕ፡ ሓደ ቦጦሎኒ ረሻሽ፡ ከምኡ’ውን ጸረ-ታንክን ጸረ-ኣየርን ሚሳይላት ዝዓጠቐ ሓደ መካናይዝድ ብርጌድ ህዝባዊ ግንባርን ኮማንዶ ቦጦሎንታትን ኣብ መጥቃዕቲታት ማእከል ኢትዮጵያ ንምስታፍ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ወያነ ክስለፉ ተመደበ። እቲ ሓባራዊ ወተሃደራዊ መደብ ኣብ ሰለስተ መድረኻት ዝተኸፋፈለ ነበረ።

እቲ ቀዳማይ መድረኽ ካብ መወዳእታ ለካቲት ጀሚሩ ክሳብ ፍርቂ መጋቢት 1991 ዝቕጽል ኮይኑ፡ ዕላማኡ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ንጢዖን ዕዲን ከጥቅዓ፡ ሓይልታት ወያነ፡ መካናይዝድ ብርጌድ 23ን ኣሃዱታት ኮማንዶ ህዝባዊ ግንባርን ብሓባር ድማ፡ ነቲ ኣብ ጎልጎል ሃሙሲት ክፍለ ሃገር ጎንደር ዝነበረ ገዚፍ ሰራዊት ጸላኢ ብምጥቃዕ ባህርዳርን ጎንደርን ተቘጻጺሩ ንክፍላተ-ሃገር ጎንደርን ጎጃምን ሓራ ከውጽእ እዩ ነይሩ።

እቲ ካልኣይ መድረኽ ካብ ፍርቂ መጋቢት ጀሚሩ ንክልተ ኣዋርሕ ዝቕጽል ኮይኑ፡ ዕላማኡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ በይሉል ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ደምሲሱ፡ ንዓሰብ ክጽጋዕ፣ ሰራዊት ወያነን ኣሃዱታት ህ.ግ.ን ብወገኖም፡ ንኣባይ ሰጊሮም ንወለጋን ምዕራብ ሽዋን ከጥቅዑ ዝዓለመ ነበረ።  

ሳልሳይ መድረኽ፡ እቲ ኣብ ግንቦት 1991 ዝተተግበረ ውጥን ኰይኑ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ንኣስመራ ብምጥቃዕ፡ ንማእከላይ እዚ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ክቆጻጸር፡ ሓይልታት ወያነን ህ.ግ.ን ከኣ ኣብ ደሴን ከባቢኣን ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ጸራሪጉ ንኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ዝብል እዩ። በዚ ውጥን’ዚ መሰረት፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ለካቲት 1991፡ ኣብ ኣውራጃ ደንከል ኣብ ጢዖ፡ ዕዲ፡ በርዓሶለ፡ ኣፋምቦ፡ በርሓሊ፡ ዋዴ፡ ደረብ፡ በይሉልን ዓሰብን ዓስኪሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ንምድምሳስ ነቐለ።

ወፍሪ ደንከል ኣመዓራርይ

ህዝባዊ ግንባር፡ ናብቲ ንኣጋር ሰራዊት ይኹን መካናይዝድ ዘይምቹእ፡ ብቐሊሉ ረዳት ሓይሊ ይኹን ዕጥቅን ስንቅን ከተመላልሰሉ ዘይትኽእል ኣጻምእ ደንከል ንመጥቃዕቲ ክወፍር እንከሎ፡ ዝያዳ ኹሉ ዝተኣማመነሉ ዕጥቂ፡ ጽንዓትን ተጻዋርነትን ተጋዳላይ እዩ ነይሩ።

ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ደማዊ ምርብራብ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓይሊ-ባሕሪ ኢትዮጵያ ብመራኽብ ካብ ዳህላክን ናኹራን እናተበገሰ ንምጽዋዕ ብኸቢድ ብረት ይድብድብ ነይሩ እዩ። ዕላማ ናይቲ ደብዳብ፡ ነቲ ግንባር ጊንዳዕ ፈንጢሱ ናብ ምጽዋዕ ክምለስ ናይ ሞትን ሕየትን ፈተነ ዘካይድ ዝነበረ ሰራዊት ደርግ፡ ብድሕሪት ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ሰራዊት ጸቕጢ ፈጢርካ ንምሕጋዙ፡ እንተዘይሰለጠ ከኣ ወደብ ምጽዋዕ ንምዕናው’ዩ ዝነበረ። ሓይሊ-ባሕሪ ህዝባዊ ግንባር ከኣ፡ በተን ፈጣናት ጀላብኡ ንዘመናውያን መራኽብ ውግእ ስርዓት ደርግ እናጥቅዐ፡ ነቲ ናይ ባሕሪ መጥቃዕቲ ከዐግሶ ይፍትን ነበረ። ህዝባዊ ሰራዊት ንወፍሪ ደንከል ክነቅል ከሎ እምበኣር እንተላይ ነቲ ኣብ ዳህላክን ናኹራን ዓስኪሩ ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምድምሳስ እዩ ነይሩ።

ነዚ ወፍሪ’ዚ ንምዕዋት፡  ህዝባዊ ግንባር፡ ካብ ዝተፈላለያ ግንባራት ኣሃዱታት ብምስሓብ፡ ሓደ ፍሉይ ሓይሊ ከም ዝቐውም ገበረ። ኣብ መወዳእታ 1990 ኣብ ነብሲ-ወከፍ ክፍለሰራዊት ኮማንዶ ቦጦሎኒ ከምዝቐውም ተገይሩ ነበረ። ናብ ወፍሪ ደንከል ንቕሎ ምስ ኮነ ድማ፡ ኣብ ክፍላተ ሰራዊት 16፡ 52፡ 85፡ 96 ዝነበሩ  ፓራኮማንዶ ቦጦሎንታት፡ ከምኡ’ውን ሓደ በጦሎኒ ካብ ኣሃዱ ኮማንዶ ውድብ ኣብ ሕርጊጎ ተኣኻኸቡ። ብዘይካ’ዚ፡ ካብ መካናይዝድ ክፍለ-ሰራዊት 74፡ ኣርባዕተ ናይ ታንክ፡ መድፍዕ፡ ረሻሽ በጦሎኒታት፣ ካብ ሓይሊ ባሕሪ’ውን ዝተወሰነ ሓይሊ ተጸንበሮም። እዚ ፍሉይ ሓይሊ’ዚ ምስ ተኣከበ፡ ምስቲ ኣብ ቅድመኡ ዝጽበዮ ዝነበረ ዕማምን ቅርጺ መሬትን ዝዛመድ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ታዕሊም ኣካየደ።   እዚ እናተገብረ ስለያ ሓይሊ-ባሕርን ስለያ ናይቲ ሓድሽ ዝቘመ ሓይሊን ምስ ሓፋሽ ውዱባት ደቂ ዳህላክ ተወሃሂዶም፡ ንደሴት ዳህላክ ንምጥቃዕ መጽናዕቲ ከካይዱ ጀመሩ። ብመሰረት’ቲ መጽናዕቲ፡ “መእተዊ መሳኹቲ ናብ ደሴት ዳህላክ ጸቢብ ኰይኑ፡ ንዘጥቅዕ ሓይሊ መንከሲ ዝኸውን ምቹእ ቦታታት ዘይብሉ፡ ብኣንጻሩ ንዝኸላከል ሓይሊ ዕድል ዝህብ እዩ። ሰራዊት ኣብታ ደሴት ተጸጊዑ ምስ ተራገፈ፡ ናብ ሸቶኡ ማለት ናብቲ ቀንዲ ሰራዊት ጸላኢ ዓስኪሩሉ ዝነበረ መዓስከር ናኹራ ንክበጽሕ ምሉእ መዓልቲ ዝወስድ መገዲ ክጓዓዝ ኣለዎ። ኣብዚ መኸወሊ ዘይብሉ ደሴት፡ ነፈርቲ ኲናት ካብ ኣስመራ እናተመላለሳ ጽዑቕ ደብዳባት ከካይዳ ይኽእላ’የን። ናብዛ ደሴት ሓንሳብ ምስ ኣተኻ፡ ኵነታት እንተ ዘይሰሊጡ ከተንሳሕብ ኣጸጋሚ እዩ” ዝብል መደምደምታ ተበጽሐ። በዚ ምኽንያት’ዚ ደሴት ዳህላክ ንምጥቃዕ ዝወጸ ውጥን ተረፈ።   ዳህላክ ንምጥቃዕ ዝተሓሰበ መደብ ምስ ተረፈ፡ ኣጋርን መካናይዝድን ሓይሊ-ባሕሪን ዝሓቘፈ ሰራዊት፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ እዚ ተጠርኒፉ፡ ናብ መጥቃዕቲ ጢዖ ኣቕንዐ። ኣብ ሕርጊጎ ምድላዋቱ ድሕሪ ምጽፋፍ ከኣ፡ ብ25 ለካቲት ናብ ገልዓሎ ቀረበ። ንጽባሒቱ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ኣብ ጢዖ ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ንምጥቃዕ ብክልተ ኣንፈት ገስገሰ። በጦሎኒ ፓራኮማንዶ ክፍለ-ሰራዊት 16 ምስ ሓደ ሓይሊ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ብባሕሪ ክብገሱ እንከለው፡ በጦሎኒ ፓራኮማንዶ ክፍላተ-ሰራዊት 52፡ 85፡ 96፡ ምስ መካናይዝድ ብርጌድን ሃንደሳን ካልኦት ኣሃዱታትን ብመሬት ነቐሉ። እቲ መደብ፡ ብባሕሪ ዝነቐለ ሓይሊ፡ ማርሳ ፋጥማ ክበጽሕ ከሎ፡ እቲ ብመሬት ዝተጓዕዘ ሓይሊ ከኣ ብመገዲ ዓኬሎ ኣቢሉ ምስቲ ብባሕሪ ዝኸደ ኣብ ማርሳ ፋጥማ ክራኸብ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ኣብ መጻብቦ ዓኬሎ፡ ሽዱሽተ ታንክታት ኣብ ሰልሚ ስለ ዝተሸኽላ፡ ጕዕዞ ተዓናቐፈ። ካልእ መገዲ ክምረጽ ስለ ዝነበሮ ድማ፡ ብምሉኡ’ቲ ሓይሊ ንገልዓሎ ተመልሰ። እታ ብባሕሪ ዝነቐለት በጦሎኒ ፓራኮማንዶ 16 እውን ምስቲ ብኣጋር ዝነቐለ ሓይሊ ተደረበት። እቲ ኣማራጺ ንየማን ብሲሞቲ ኣቢልካ ምኻድ ነበረ። ብምሉኡ ኣጥቃዒ ሓይሊ ድማ ምሉእ ለይቲ ልዕሊ 140 ኪሎ ሜትር ክጓዓዝ ሓዲሩ፡ ወጋሕታ ከባቢ ጢዖ በጽሐ። 27 ለካቲት ሰዓት 9፡00 ረፋድ ከኣ መጥቃዕቲ ጢዖ ጀመረ። እቶም ብፈጣናት ጀላቡ ተጓዒዞም ዝመጹ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ’ውን ኣብ ልዕሊ መዓስከር ጢዖ ብባሕሪ ሓያል መጥቃዕቲ ፈነው። እቲ መጥቃዕቲ ቅልጡፍን ልዑል ውህደት ዝነበሮን እኳ እንተነበረ፡ ኣብ መዓስከር ጢዖ ዝነበረ ጸላኢ ብመሬት ይዅን ብባሕሪ መህደሚ ስለ ዘይነበሮ፡ እቲ ኲናት መሪር ነበረ። ኣብ መወዳእታ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ነቲ ኣትሪሩ ክከላኸል ዝፈተነ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ደምሲሱ ሰዓት 15፡00 ድሕሪ ቐትሪ ንጢዖ ካብ መግዛእቲ ኣገላገላ። ኣስታት 260 ኪሎ ሜትር ደቡባዊ ምብራቕ ካብ ምጽዋዕ እትርከብ ጢዖ፡ ኣብ ደነከል ድሕሪ ወደብ ዓሰብ፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝቐመጣ ዓባይ ማርሳ እያ።

ብመጥቃዕቲ ጢዖ ዝሰንበደ ጸላኢ፡ ኣብ ደንከልን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝነበረ መጥቃዕቲ ጸቕጢ ፈጢሩ ከተዓናቕፍ፡ ከምኡ’ውን እንተስለጦ፡ ካብ ከበባ ዘገላግሎ መስመር ብሸነኽ ጎንደር ክኸፍት ብምሕሳብ ንክፍለ ጦር 14 ብዓዲዃላ ኣቢሉ ንራማ - ትግራይ ኣንቀሳቐሶ። ብ3 መጋቢት 1991 ከኣ መጥቃዕቲ ከፈተ። ቅድሚ ሽዑ፡ ሰራዊት ደርግ ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ ንውሽጢ ኢትዮጵያ ከጥቅዕ’ዩ ዝብል ስግኣት ኣይነበረን። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ሰራዊት ደርግ ካብ መላእ ትግራይ ስሒቡ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ዓሪዱ ብምንባሩ፡ ብምሉኡ ሰራዊት ወያነ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ’ዩ ዝነበረ። ብዘይካ ውሑዳት ኣብ ክፍልታት ዝነጥፉ ኣባላት ወያነ፡ ንትግራይ ክከላኸለላ ዝኽእል ሰራዊት ኣይነበረን። እቶም ውሑዳት ኣባላት ወያነ፡ ዝከኣሎም እናገበሩ ከም ዝደናጐ ምስ ገበሩዎ ከኣ፡ ካብተን ኣብ ውግእ ጢዖ ዝተሳተፋ ክልተ በጦሎኒታት ፓራ-ኮማንዶ ናይ ክፍላተ-ሰራዊት 16ን 52ን፡ ሓደ በጦሎኒ ኮማንዶ ህዝባዊ ግንባር፡ ከምኡ’ውን ካብታ ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ዝነበረት ብርጌድ 90 ናይ ክፍለ-ሰራዊት 16 ሓንቲ በጦሎኒ፡ ብህጹጽ ብመካይን ተጓዒዘን ብዓዲግራት ኣቢለን ብቐትሩ ዓድዋ ኣተዋ። ሰራዊት ደርግ ድሮ ኣብ ገማግም ዓድዋ በጺሑ ነበረ። ክልተኡ ሓይልታት ኣብ ዓዲ ኣቡን ምስ ተራኸበ ውግእ ተጀመረ። ሰራዊት ህዝባዊ ግንባርን ንሓጺር ግዜ ናይ ምክልኻል ውግእ ድሕሪ ምክያድ ሓያል ጸረ-መጥቃዕቲ ፈነወ። ኣብ መወዳእታ እቲ ሓደገኛ ዝነበረ ውጥን ጸላኢ ፈሸለ። ክፍለ-ጦር 14፡ ከቢድ ክሳራ ወሪድዎ ናብ ዓዲዃላ ክምለስ ተገደደ።

ድሕሪ ሓርነት ጢዖ ህዝባዊ ሰራዊት ብ7 መጋቢት ግስጋሰኡ ብምቕጻል፡ ብ8 መጋቢት ንማርሳ ዕዲ፡ 150 ኪሎ ሜትር ሰሜን ካብ ዓሰብ ኣጥቅዐ። ኣተሓሕዛ ጸላኢ ብዙሕ ዝፍለጥ ስለ ዘይነበረ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ብገባር ደቂ’ቲ ከባቢ እናተመርሐ እዩ ኣብ መስመር ተዅሲ በጺሑ። ንክልተ ሰዓታት ብዝተኻየደ ናይ ምድርን ባሕርን ዉሁድ መጥቃዕቲ ከኣ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ንዕዲ ተቘጻጸራ። ኣብ ውግእ ዕዲ ብረት ጸላኢ ዓጢቘም ዝነበሩ ኤርትራውያን ምስ ህዝባዊ ሰራዊት ተሓባቢሮም እዮም። ህዝባዊ ሰራዊት ነቲ ድሮ ዝጀመሮ ስርሒት ብምቕጻል፡ ብ14 መጋቢት ንኣፋምቦ፡ ብ29 መጋቢት ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ግስጋሰ ህዝባዊ ሰራዊት ንምዅላፍ፡ ኣብ ቦርሓኖን ኣርዓኖን - ኣስታት 100 ኪሎ ሜትር ሰሜናዊ ምዕራብ ካብ ዓሰብ - ዝተጠናኸር ሰራዊት ጸላኢ በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምውሳድ፡ ነቲ ቦታታት ተቘጻጸሮ። ጸላኢ ኣብ ቦርዓኖን ኣርዓኖን ክከላኸል ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ እቲ ቦታ ጸቢብን ማሕንቘታት ዘለዎን ብምዃኑ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ነቲ ብበረኽቲ ጎቦታት ዝተኸበበ ጐላጉል ማብራ ሰጊሩ፡ ክሳውዲ ቦርሓኖን ኣርዓኖን እንተ ሒዙ፡ ዋዴን በይሉልን ንምቍጽጻር ከም ዘይጽገሞ ጸላኢ ተገንዚብዎ ነበረ። ጸላኢ ኣብዚ ውግእ’ዚ ሓይሉ ኣዳልዲሉ እኳ እንተመከተ፡ ህዝባዊ ሰራዊት’ውን፡ እተን ንትግራይ ክረድኣ ዝተላእካ በጦሎኒታት ሽሕ’ኳ ዓቕመን ተዳኺሙ እንተ ነበረ፡ ስለ ዝተመልሳኦ፣ ካልኦት ኣርባዕተ ኣጋር በጦሎኒታት እውን ተደሪበናኦ ብምንባረን ብመጠኑ ደልዲሉ ነበረ።   ሓይሊ ባሕሪ ህዝባዊ ግንባር ብወገኑ ኣብዚ ዕለት’ዚ፡ ናብቲ ኣብ ደሴታት ዳህላክ ዝነበረ ሰራዊት ደርግ ማይን ስንቅን ንምብጻሕ ዝተንቀሳቐሳ ሰለስተ መራኽብ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደቡባዊ ደንከል ብምጥቃዕ ንሓንቲ ካብተን ዓበይቲ መራኽብ ወቒዑ ኣቃጸላ። ንጽባሒቱ ድማ ኣሃዱታት ጸረ-ነፈርቲ ህዝባዊ ግንባር ሚግ 23 ነፋሪት ኲናት ወቒዖም ኣውደቑ።

በዚ ትንፋስ ዘይህብ ምዕባለታት’ዚ ዝተናወጸ ስርዓት ደርግ፡ ካብ ከባቢ ዓሰብን ምብራቕ ኢትዮጵያን ኣጋር ሰራዊትን መካናይዝድን ብምድራብ ንዓሰብ ክከላኸል’ዩ ወሲኑ። በዚ ድማ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ክፍለ-ጦር 17 ብነፈርቲ ብህጹጽ ናብ ዓሰብ ከም ዝመጽእ ገበረ። ካብ ኦጋዴን ዶብ ሶማል እውን፡ 45 ታንክታት ዝዓጠቐ መካናይዝድ ክፍለ-ጦር ናብ ደንከል ብምግዓዝ ኣብ ከባቢ በይሉል ዓረደ። በዚ ድማ ሚዛን ሓይሊ ተቐያየረ። ጸላኢ ዝነበሮ ናይ መጓዓዝያን ጥጡሕ መራኸቢ መስመርን ብልጫታት ተጠቒሙ ገዚፍ ሓይሊ ክድርብ እንከሎ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ግን ዝወሰኾ ሓይሊ ብተዛማዲ ኣዝዩ ውሑድ ነበረ። ኣብቲ ቅድሚኡ ዝተኻየደ፡ ነዊሕን መሰናኽል ዝበዝሖን ጕዕዞን መረርቲ ውግኣት ምድረበዳን እውን ብዙሕ ሃሊኹ ነበረ።   ወጋሕታ 31 መጋቢት፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ዋዴ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝተጠናኸረ ሓይሊ መጥቃዕቲ ፈነወ። ጸላኢ ኣብ ሰንሰለታዊ ጎቦታት ዋዴ ነኺሱ ምውራድ ኣበየ። ብፍላይ መበል 17 ክፍለ-ጦር፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ምስ ህዝባዊ ሰራዊት ዝገጠመ ምኩር ሰራዊት ብምንባሩ፡ ብርጌዳቱ እናቐያየረ ኣትሪሩ መከተ። ንሰለስተ መዓልታት ከኣ፡ ደማዊ ውግእ ቀጸለ። እቲ ኩነታት ዘሻቕል እናዀነ ስለ ዝኸደ ከኣ ሓደ ከዐውት ዝኽእል ስልቲ ኲናት ክሕንጸጽ ግድን ነበረ። በዚ መሰረት፡ ነቲ ኣብ ዋዴን ከባቢኡን ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ንምድምሳስ፡ በቲ ዝሓሸ መንቀሳቐሲ ቦታ ዝነበሮ ጸጋማይ ወገን ታንክታት ከሕልፍ ዝኽእል መገዲ እናዲኻ፡ ኣጋር ሰራዊትን ታንክታትን ብምእታው፡ ነቲ ቀንዲ ናይ ዕደላ መስመሩ ዋዴ-በይሉል ቈሪጽካ፡ ብኹሊት ንምህራሙ ተወጠነ። ብ2 ሚያዝያ ከኣ፡ 6 ታንክታት፡ ሓንቲ በጦሎኒ ፓራኮማንዶን በጦሎኒ ረሻሽን ናይ ኩሊት መጥቃዕቲ ከፈታ። ጸላኢ ብዘይገመቶ ኣንፈት፡ ተዅሲ ምስ ተኸፍቶ ቀልጢፉ ዝርግርግ ኣተዎ።

ብድሕሪ’ዚ ህዝባዊ ሰራዊት ናብቲ ጽንኩር ከም ዝኸውን ድሮ ተገሚቱ ዝነበረ ውግእ በይሉል ኣተወ። እታ ካብ ዓሰብ 60 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝተደኮነት በይሉል፡ ብጽዑቕ ገረብ ዓርኮብኮባይ ዝተሸፈነት እያ። እቲ ጽዑቕ ኣግራብ ግን ንዘጥቅዕ ሓይሊ ኣጸጋሚ ነበረ። እንተዀነ ሰራዊት ጸላኢ ብልጫታቱ ክጥቀመሉ ኣይከኣለን። ህዝባዊ ሰራዊት፡ ብ6 ሚያዝያ ንበይሉል ኣጥቂዑ ተቘጻጸራ። ጸላኢ ከኣ፡ ካብ በይሉል ንደቡባዊ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ገዛኢ ቦታታት ሒዙ መከላኸሊ መስመሩ ኣደልደለ። ህዝባዊ ሰራዊት ብወገኑ፡ በይሉል ድሕረኡ ገይሩ፡ መከላኸሊ መስመር መስረተ። ካብ 9 ሚያዝያ ክሳብ 25 ግንቦት 1991 ድማ፡ ሰራዊት ጸላኢ ግስጋሰ ህዝባዊ ሰራዊት ዓጊቱ ካብቲ ቦታ ከምዝርሕቕ ብምግባር ዓሰብ ንምድሓን፡ ህዝባዊ ሰራዊት ብወገኑ፡ ዓሰብ ንምሓዝ ዘኽእሎ ኣገደስቲ ቦታታት ንምቍጽጻር ንኣስታት ወርሕን ክልተ ቅነን ናይ ምርብራብ ውግኣት ቀጸለ።  

ሓደ ካብ ዕላማታት ወፍሪ ደንከል፡ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ደርግ፡ ሓይሉን ኣቓልቦኡን ከም ዝመቓቐል ገይርካ፡ ካብቲ ኣብ ግንባራት ደቡብን ጊንዳዕን ኣሰሊፍዎ ዝነበረ ክፍለ-ጦራት ናብ ደንከል ከም ዝግዛዕ ብምግባር፡ ንናይ መጨረሽታ ደምዳሚ ኲናት ምቹእ ኩነታት ምፍጣር ነበረ። ከምቲ ዝተወጠኖ ድማ ደርግ፡ ንክፍለ-ጦራት 17፡ 22፡ 21 ከምኡ’ውን ሓያለ ብርጌዳት ፍሉይ ኮማንዶ፡ መካናይዝድን ካልኦት ወሃብቲ ደገፍ ኣሃዱታትን በብተራ ናብ ደንከል ኣግዓዞም። ብዘይካ’ዚ፡ ነቲ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝግስግስ ዝነበረ ጥሙር ናይ ወያነን ህዝባዊ ግንባርን ሓይሊ ንምዕጋት፡ ክፍለ-ጦር 14 ንኢትዮጵያ ከም ዝግዕዝ ገበረ።

ወፍሪ ስግረ-ዶብ ኣመዓራርይ

ማዕረ-ማዕረ’ዚ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ውግኣት፡ ኣሃዱታት ወያነ ብመካናይዝድ ክፍለሰራዊት 74 ህዝባዊ ግንባር ደገፍ እናተገብረለን፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ወፍርታት የካይዳ ነበራ። ኣሃዱታት መካናይዝድ ክፍለ-ሰራዊት 74 ካብቲ ኣብ 1989 ዝተኻየደ ዕዉት መጥቃዕቲ ሽረ ኣትሒዞም፡ ኣብ ጐድኒ ኣጋር ሰራዊት ወያነ ብምስላፍ፡ ኣብ ክፍለ ሃገር ወሎ ኣብ ኣላማጣ፡ ቆቦን ወልድያን ኣብ ዝተኻየዱ ወሰንቲ ዝዀኑ መጥቃዕቲታት ተሳቲፎም ክሳብ ግንባር ውጫለን ደብረታቦርን በጺሖም ነበሩ። መካናይዝድ ብርጌድ 23 ከኣ፡ ኣብቶም ናይ መጨረሽታ ዓበይቲ ወፍርታት ንምስታፍ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ጥሪ 1991 ናብ ኢትዮጵያ ኣተወ። ምስቶም ኣቐዲሞም ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ኣሃዱታት ኮማንዶ ህዝባዊ ግንባር ብምውህሃድ ከኣ ተልእኾኡ ንምፍጻም ግዜ ከይወሰደ ንሰፊሕ ኲናት ኣብ ምቅርራብ ተጸምደ። መካናይዝድ ብርጌድ 23 ብሓደ በጦሎኒ ታንከኛ፡ በጦሎኒ መድፍዕ፡ በጦሎኒ ረሻሽ ከምኡ’ውን ጸረ-ታንክን ጸረ-ነፈርቲን ሚሳይላት ዝሓዙ ኣሃዱታት ዝቘመ ነበረ። እዚ ኣሃዱ`ዚ፡ ኣብ መስመር ወልድያ-ደብረታቦር ኣብ እትርከብ ሓውሲ ከተማ ገርገራ፡ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ዝዕጠቕ ኣጽዋራት ማለት ታንክታት፡ መዳፍዕን ረሻሻትን ንምድላው፡ ብዘይዕረፍቲ ኣብ ከቢድን ኣህላኺን ዕዮ ተጸሚዱ ኣሕለፎ። ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ድማ ተልእኾኡ ክፍጽም ተዳለወ። ብ4 ለካቲት 1991፡ ብኣሃዱታት ስለያ ወያነ፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ፡ ድልዳለን ዝርጋሐን ዕርድታት ሰራዊት ደርግ፡ ብዝሒን ዓይነትን ኣጽዋር፡ መንነት ኣሃዱታት ጸላኢን መስመራትን ኣንፈታትን መጥቃዕቲ. . . ዓሚቝን ዝርዝራዊን ሓበሬታ ምስ ተዋህቦ፡ ኣብ መበገሲ ቦታኡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተጠንቀቕ ከም ዝጸንሕ ተገብረ። ብ20 ለካቲት ድማ ካብ መበገሲ ቦታኡ ተንቀሳቒሱ፡ ንፋስ-ማውጫን ክምር-ድንጋይን ዝተባህላ ንኣሽቱ ከተማታት ሓሊፉ፡ ንየማናይን ጸጋማይን ኣንፈት መጥቃዕቲ ኣብ እትፈሊ ጋሳይ ዝተባህለት ንእሽቶ ዓዲ ኣተወ። ኣብዚ ቦታ’ዚ፡ እቲ ዘጥቅዕ ሓይሊ ናብ ክልተ ክንፍታት መጥቃዕቲ ተመቕለ። ብጸጋማይ ኣንፈት መጥቃዕቲ ዝተመደባ ኣሃዱታት፡ እስቴ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ክበጽሓ እንከለዋ፣ ብየማናይ ኣንፈት መጥቃዕቲ ዝተመደባ ኣሃዱታት ድማ፡ ብደብረታቦር ሓሊፈን ናብታ ቀንዲ መስመር ባህርዳር ጎንደር ዝሓልፈላ ከተማ ወረታ ኣምርሓ።  

ብ23 ለካቲት 1991 ሰራዊት ወያነን መካናይዝድን ኮማንዶን ህ.ግ.ን መስመር ባህርዳር ጎንደር ብምቑራጽ፡ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ፈነወ። ብጸጋማይ ክንፊ ዝተንቀሳቐሰ ዝዓበየ መካናይዝድ ሓይሊን ኣጋር ሰራዊት ወያነን፡ ኣብ ጎልጎል ሃሙሲት ተገዲመን ምስ ዝጸንሖ ዓሰርተታት ታንክታት፡ ብርቱዕ ናይ ታንክ ብታንክ ግጥም ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብኡ ዓሲኪሩ ዝነበረ ገዚፍ ክፋል ሰራዊት ደርግ ምሉእ ብምሉእ ደምሲሱ፡ ብ25 ለካቲት ከተማ ባህርዳር ኣተወ። ብየማን ዝተንቀሳቐሰ ሓይሊ ድማ፡ ካብ ወረታ ንምዕራብ መስመር ጎንደር ሒዙ ንከተማ ኣዲስ ዘመን ተቘጻጺሩ ብምግስጋስ ጎንደር ኣተወ። ብድሕሪ’ዚ ሰራዊት ወያነን ህዝባዊ ግንባርን፡ ኣብ ክፍለ ሃገር ጎጃም ዝርከባ ዱርቤቴ፡ ዳንግላ፡ ቡሬ፡ ፍኖተ ሰላም፡ ኣማኑኤል፡ ፓወ፡ ዝበሃላ ሓውሲ ከተማታት፡ ከምኡ’ውን ንመደበር ታዕሊም ብርሸለቆ ብምሓዝ፡ ክሳብ ዋና ከተማ ክፍለ ሃገር ጎጃም ደብረማርቆስ ዝርከብ ሰፊሕ ቦታታት ተቘጻጸረ። ክሳብ’ቲ ንክፍላተ ሃገር ጎጃምን ሽዋን ዝፈሊ ፈለግ ኣባይ (ሰማያዊ ኒል) ብምግስጋስ ከኣ፡ ኣብ ደጀን ዝተባህለ ቦታ ዓረደ። እዚ “ወፍሪ ቴድሮስ” ዝተሰምየ፡ ንክፍላተ ሃገርን ጎንደርን ጎጃምን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ወያነ ንምእታው ዝዓለመ ስርሒት ድሕሪ ናይ ክልተ ቅነ ዘየቋርጽ መጥቃዕትታት ብ8 መጋቢት ምሉእ ብምሉእ ሸቶኡ ሃሪሙ ተፈጸመ።

ስዒቡ ዝቐጸለ ካልእ ዓቢ ወፍሪ፡ ብቋንቋ ኦሮምኛ ወፍሪ “ቤሉሱማ ወልቄጡማ” (ወፍሪ ማዕረነትን ናጽነትን) ዝተሰምየ ንክፍለሃገር ወለጋ ሓራ ንምውጻእ ዝዓለመ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ እዩ ነይሩ። ናብዚ ወፍሪ’ዚ፡ ሰራዊት ወያነን ህዝባዊ ግንባርን ካብ ቡሬ - ጎጃም እዩ ተበጊሱ። ፈለማ ኣብ ከባቢ’ቲ ንክፍላተ ሃገር ጎጃምን ወለጋን ዝፈሊ ፈለግ ኣባይ ሓያል ውግእ ተኻየደ። ነቲ ፈለግ ድሕሪ ምስጋር ድማ፡ ኣብ ከባቢ ጉተንን ጽገማርያምን ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ድሕሪ ምብትታን፡ ንርእሰ ከተማ ክፍለ ሃገር ወለጋ ነቀምቴ ተቘጻጸረ። ድሕሪ ምትሓዝ ነቀምቴ ሰራዊት ወያነን ህዝባዊ ግንባርን፡ ቀንዲ መስመር ነቀምቴ ኣዲስ-ኣበባ ሒዞም ንቕድሚት ብምግስጋስ፡ ኣብ ፍንጫ፡ ሻምቡ፡ ጌዶን ጉደርን ምስ ሰራዊት ደርግ ብርቱዕ ግጥም ኣካይዶም ክሳብ ከተማ ኣምቦ 125 ኪ.ሜ. ምዕራብ ካብ ኣዲስ ኣበባ በጽሑ።    ብድሕሪ’ዚ፡ “ወፍሪ ዋልልኝ” ዝተሰምየ ንክፍላተ ሃገር ወሎን ሰሜንን ምዕራብን ክፍለ ሃገር ሽዋን ንምቍጽጻር ዝዓለመ ወፍሪ እዩ ተኻይዱ። እዚ ጎድኒ ጎድኒ መጥቃዕቲ ደቀምሓረ ዝጀመረ ወፍሪ፡ ኣብ ውሽጢ ሳልስቲ፡ ነቲ 25,000 ዝግመት ሰራዊት ዝነበሮ፡ ሳልሳይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ኣብ ከበባ ኣእትዩ ብምድምሳስ፡ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ወያነን ህዝባዊ ግንባርን ከምዝኣቱ ገበረ። ነቲ ቀንዲ መስመር ሒዙ ንከተማ ደብረዘይት ብምቁጽጻር ከኣ፡ ክሳብ ስንዳፋ በጺሑ፡ ንናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ኣዲስ ኣበባ ድልው ኮነ።  

ምፍራስ ግንባር ደቀምሓረን ሓርነት መላእ ኤርትራን

ድሕሪ ምድምሳስ ናደው ብ1988 ስርዓት ደርግ፡ ግዜ ሸሚቱ ወተሃደራዊ ምድላዋት ንምግባር፡ ንነዊሕ ግዜ ዝሕሰሞ ዝነበረ ዘተ ሰላማዊ ፍታሕ ክቕበል ተቐሲቡ እዩ። ብኡ መሰረት ድማ ኣቐዲሙ ብመንጎኝነት ካርተር (ፕረዚደን ኣመሪካ ነበር) ርክባት ይካየድ ነበረ። ድሕሪ ምምስራት ግንባር ደቡብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ደንከልን ማእከል ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝነበረ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲታት፡ ስርዓት ደርግ ተስፋ ስለዝቘረጸ፡ ግስጋሰ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባርን ወያነን ደው ንምባል ዝነበሮ እንኮ ኣማራጺ ሰላማዊ ዘተ ነበረ። በዚ መሰረት፡ ርክብ ስለዝጠለበ፡ ብመንጎኝነት ናይቲ ሽዑ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበረ ሀርማን ኮሀን፡ ኣብ መንጎ ህ.ግ.፡ ወያነን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን በቲ ሓደ፡ ስርዓት ደርግ ድማ በቲ ካልእ፡ ን25-26 ግንቦት 1991 ኣብ ለንደን ዘተ ሰላም ክካየድ ቈጸራ ተታሕዘ።  እዚ ቆጸራ’ዚ ተታሒዙ እንከሎ፡ ህዝባዊ ግንባር ብ19 ግንቦት 1991 ኣብ ግንባር ደቀምሓረ መጥቃዕቲ ፈነወ። ዕላማ ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ንደቀምሓረን ከባቢኣን ተቘጻጺርካ፡ ኣብ ሰሓርቲ ብምዕራድ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብከቢድ ብረት ፍጹም ኣልሚስካ፡ ንሎጀስቲካዊ ቀረብ ሰራዊት ደርግ ምሉእ ብምሉእ ብምዕጻው፡ ኣብ ዘተ ሰላም ለንደን ላዕለዋይ ኢድ ሒዝካ ምእታው፡ ውጽኢት ናይቲ መጥቃዕቲ ገምጊምካ ድማ፡ ንናይ መጨረሽታ መጥቃዕቲ  ኣስመራ ድልው ምዃን ነበረ።

ኣሰላልፋ ሰራዊት ጸላኢ ኣመዓራርይ

ቅድሚ ውግእ ዝነበረ ዓቕሚ ጸላኢ ኣመዓራርይ

ቅድሚ ውግእ ምጅማሩ ኣብ ግንባር ደቡብ ደርግ፡ ኣርባዕተ ብርጌዳት ናይ 10 ክፍለ-ጦር ምስ ሓደ ኮማንዶ ሻለቃ፣ 2 መካናይዝድ ክፍለ-ጦር ምስ ፍሉይ ኮማንዶ ብርጌድ፣ ክፍለጦር 18፡ ምስ ሓደ ኮማንዶ ሻለቃ፣ መካናይዝድ ብርጌድ 29፣ መካናይዝድ ብርጌድ 16፣ ከምኡ’ውን 3 ሞቶራይዝድ ክፍለ-ጦር ምስ ሓደ ፍሉይ ኮማንዶ ብርጌድን ሓደ ኮማንዶ ሻለቃን ኣሰሊፉ ነበረ። ኣብ መስርሕ’ቲ ውግእ ጸላኢ፡ ንተራራ ክፍለ-ጦር 19 ካብ ኣስመራ፡ ክልተ ብርጌዳት ናይ ክፍለ-ጦር 21 ካብ ዓሰብ፡ ክልተ ብርጌዳት ሓለዋ ከባቢ ኣስመራ (ኣዙጥ - ኣስመራ ዙርያ ጥበቃ)፡ ሓደ ብርጌድ ናይ ክፍለ-ጦር 29 ካብ ግንባር ከረን፡ ሓደ ብርጌድ ካብ ከባቢ ምሕላብ፣ ከምኡ’ውን “ዮሃንስ”ን “ካሌብ”ን ዝተባህሉ ብተጋሩ ምሊሻ ዝቘሙ ክልተ ብርጌዳት፡ ሚሊሻ ስርናይ ኤርትራን ካልኦት ሻለቃታትን ናብቲ ግንባር ደረበ። ትግራይ ካብ ስርዓት ደርግ ሓራ ምስ ኰነት፡ እቶም ናይ ትግራይ ሚሊሻ ምስ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ደርግ ተሰሊፎም ኣንጻር ህዝባዊ ግንባር ከም ዝተዋግኡ ይፍለጥ። እዞም ዕጡቓት ሚሊሻ፡ ኣሉላ፡ ዮሃንስ፡ ካሌብ ዝብል ኣስማት ነበሮም። እቶም ኤርትራዊያን ሚሊሻ ከኣ ዘርኣይ ደረስ፡ ኣሰፋስላምሳ፡ ኣብርሃ ዶቦጭ ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ።

ኣብዚ ወሳኒ ግጥም’ዚ ጸላኢ ዓጢቕዎ ዝነበረ ኣጽዋር፡ ልዕሊ 20 ናይ 130 ሚሊ ሜትር መድፍዕ፡ ኣስታት 60 ናይ 122 ሚሊ ሜትር መድፍዕ፡ ሸሞንተ ቢ.ኤም 21፡ ዓሰርተክልተ ቢ.ኤም 24፡ ኣስታት 60 ታንክታት፡ ሞርታራት፡ ዓበይትን ማእከሎትን ረሻሻት፡ ጸረታንክ ሚሳይላት፡ ነፈርቲ ውግእን ሄሊኮፕተራትን ዘጠቓልል ነበረ። ኣብ ርእሲ’ዚ መከላኸሊ መስመር ጸላኢ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝተዓርደ ስለ ዝነበረ፡ ብኣዝዩ ብዙሕ ነተጕቲ ዝተሓጽረን ብቐሊሉ ዘይስገርን ነበረ።

ኣሰላልፋ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ኣመዓራርይ

ኣብዚ መድረኽ’ዚ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ብዓቕሚ ሰብን ኣጽዋርን፡ ካብ ቅድሚኡ መድረኻት ብተዛማዲ ዝደልደለ  ብምንባሩ ኣቃውማኡ ናብ ደረጃ ኮራት ደይቡ ነበረ። በዚ መሰረት ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ዓሪደን ዝነበራ ክልተ ኮራት፣ ንክፍላተ ሰራዊት 52ን 96ን ዝሓዘት ኮር 381፡ ንክፍላተ-ሰራዊት 70ን 16ን ዝሓዘት ኮር 491 ነበራ። ካብ ኮር 271 ከኣ ክፍለሰራዊት 85 ካብ ግንባር ጊንዳዕ ተሳሒባ ኣብ ድሮ’ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ግንባር ደቀምሓረ ተሰለፈት። ብኣጠቓላሊ ኣብዚ ግንባር’ዚ ዝተሰለፋ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር፡ ኣርባዕተ ክፍላተ-ሰራዊት ኰይነን፡ ክልተ መካናይዝድ ብርጌዳት ማለት ብርጌድ 73 ብርጌድ 34 ናይ መካናይዝድ ክፍለ-ሰራዊት 74፡ ኣብ ብምሉኡ’ቲ ግንባር ተዘርጊሐን ነበራ። ብዘይካ’ዚ ካብ ክፍለ-ሰራዊት 16ን 85ን ሓሓደ በጦሎኒ ኣብ ግንባር ዓሰብ ክስለፋ እንከለዋ፡ ካብ ብርጌድ 49 ናይ ክፍለ-ሰራዊት 96 ክልተ በጦሎኒ፡ ምስ ክፍለ-ሰራዊት 52 ተደሪበን ኣብዚ ግንባር ተሳተፋ። ብዓቕሚ ኣጽዋር ህዝባዊ ሰራዊት፡ 12 ናይ 130 ከምኡ’ውን 40 ናይ 122 ሚሊ ሜትር መዳፍዕ፣ ቢ.ኤም 21 ወንጫፊ ሮኬት ከምኡ’ውን 45 ዝዀና ታንክታት፡ ብብዝሒ ሞርታራት፡ ረሻሻት፡ ጸረ-ታንክን ጸረ-ነፈርትን ሚሳይላት፡ ካልእ ኣጽዋራትን ኣሰሊፉ ነበረ።

ውጥን መጥቃዕቲ ኣመዓራርይ

ውጥን ናይቲ መጥቃዕቲ ብመንጽር ኣሰላልፋ ኣሃዱታት ከምዚ ዝስዕብ ነበረ። ክፍለ-ሰራዊት 52 ካብ ሰሰብ ክሳብ ከባቢ ሕረት ብምጥቃዕ፡ ብየማናይ ጫፍ ክሳብ ሰፈር-ኣጣልን መጻሉን ክትበጽሕ፣ ክፍለ-ሰራዊት 85፡ ካብ ከባቢ ሕረት ክሳብ ዓዲሃርም ዘሎ ቦታታት ጸላኢ ተቘጻጺራ፡ ነቶም ኣገደስቲ ጎቦታት ዓዲሃርምን ከባቢኡን ብምሓዝ ናብ ጐልጎል ሓመስ ክትቅልቀል። ክፍለ-ሰራዊት 16 ኣብ ከባቢ ዓዲሃርም ምስ ክፍለ-ሰራዊት 85 ተራኺባ ንጎቦታት እራርን ጉራዕን ብምሓዝ ዓዲ-ጐልጎል ክትቈጻጸር። ክፍለ-ሰራዊት 70 ካብ ጉራዕ ንጸጋም ከባቢ ውጡሕ፡ ትኹልን ጸጓሮን ተቘጻጺራ ንቕድሚት ክትቅጽል። ብሸነኽ የማን ድማ ኣብ ግንባር ዓላ-ዓዶሮሶ ዝነበራ ኣሃዱታት፡ ኣብ ቅድሚአን ዝጸንሐ ሰራዊት ጸላኢ ጸራሪገን ማዕረ’ቲ ከባቢ ደቀምሓረ ዝበጽሐ ኣሃዱታት ክኣስራ፡ ደቀምሓረ ምስ ተታሕዘት ከኣ ብሸነኽ ምብራቕ ምስኡ ለጊበን ናብ ዝባውንቲ ኣውልዕ ጾሩ ከምርሓ ዝብል ነበረ።

ቀዳማይ ገጽ መጥቃዕቲ ክልተ መድረኻት ነበሮ። ቀዳማይ መድረኽ፡ ንክፍለ-ሰራዊት 16ን 85ን ከምኡ’ውን 52 ብሓባር ዝምልከት ቀንዲ ዕማም ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢታት ሰሰብ፡ ኣፈልባ፡ ሕረት፡ ዓዲ-ሃርም፡ እራርን ጉራዕን ዝርከብ ኣገደስቲ ቦታታት ክቈጻጸራ። ካልኣይ መድረኽ፡ ንክፍለ-ሰራዊት 70 ጥራይ ዝምልከት ኰይኑ፡ ተልእኾ ቀዳማይ መድረኽ ምስ ተፈጸመ፡ ካብ ጉራዕ ንጸጋም ዘሎ ቦታታት ብፍላይ ከባቢ ውጡሕ ኣጥቂዑ፡ ንጸጓሮ ክቆጻጸር ዝብል ነበረ።   መስርሕ ውግእ በዚ ዝተጠቕሰ ሓፈሻዊ ውጥን መሰረት መጥቃዕቲ ግንባር ደቀምሓረ፡ ሰንበት 19 ግንቦት 1991 ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ቐትሪ ጀመረ። ክፍለ-ሰራዊት 52 በቲ ዝተዋህባ መደብ መሰረት፡ ንሰሰብ ገማግም ሰፈር-ኣጣልን ኣፈልባን ተቘጻጸረት። ኣብ መስመር መጥቃዕቲ ናይዛ ክፍለ-ሰራዊት ኣብ ዝተወሰነ ቦታ፡ ማለት ኣብ ናይ ሓንቲ በጦሎኒ ቦታ፡ ጸላኢ ተሪሩ ምሕላፍ ስለዝኸልኣ፡ ብየማነ ጸጋም ከም እትሓልፍ ብምግባር ሓይሊ ጸላኢ ኣብ ማእከል ተቘሪጹ ከም ዝተርፍ ተገብረ።

ውዕሎ 20 ግንቦት ኣመዓራርይ

ንጽባሒቱ ኣብ ዝተገብረ ውግእ፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ ውጥን መጥቃዕቲ መሰረት፡ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 70 ቦታአን ሒዘን ስለ ዝጸንሓ፡ ቀዳማይ ድፋዕ ጸላኢ ብምፍራስ፡ ምዕራብ ካብ ትኹል ንዝርከብ፡ ጸላኢ ረዳት ከምጽኣሉ ዝኽእል ኣገደስቲ ቦታታት ከባቢ ኮርባርያ ተቘጻጺረን ሓደራ።

ክፍለ-ሰራዊት 16 ካብቲ ዝሓደረቶ ጉራዕ ተበጊሳ፡ ንጸጋም ወገን ብምንቅስቓስ ሰዓት 11፡ 00 እንዳ-ኣመሪካ ተቘጻጸረት። ግስጋሰኣ ብምቕጻል ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ናብ ከባቢ ዓዲጐልጎል ተጸግዐት። በቲ ዝወጸ መደብ መሰረት፡ ሰዓት 17፡00 ጸጓሮ ንምቍጽጻር፡ ካብ ዓዲ-ጐልጎል ንኣምሁር ዝወስድ ጐልጎል ክትቁርጽ ሰሜን ካብ ትኹል ኣብ ዝርከብ ሓጸርቲ ኩጀታት ምስ በጽሐት፡ ጸላኢ ነቲ ከፋት ቦታ መዝሚዙ፡ ብታንክታትን መዳፍዕን ተሰንዩ፡ ነታ ውሽጢ ዝኣተወት ሓንቲ ቦጦሎኒ ናይ ክፍለ-ሰራዊት 16 ተሳሃላ፣ ሕማቕ ውጽኢት ከኣ ኣስዓበ። ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 16፡ ብየማነን ዝነበራ ካልኦት ኣሃዱታት ገና ስጕምቲ ከይወሰዳ ንበይነን ናብ ዓዲ-ጐልጎል ምእታወን ውጽኢቱ ኣሉታዊ ነበረ። ጸላኢ ብኻልእ ከባቢ ጸቕጢ ስለ ዘይነበሮ፡ ነቲ ዝኣተወ ሓይሊ ኣኽቢቡ ከቢድ ክሳራ ክውረድ ከኣለ። ጸኒሑ፡ ብየማንን ጸጋምን ዝነበራ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ስጕምቲ ምስ ወሰዳ ግን ኣሃዱታት ክፍለሰራዊት 16 ናብ ሸቶአን ክበጽሓ ከኣላ።

ጸላኢ፡ ናብዚ ዕለት’ዚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ነቲ ብኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ዝተታሕዘ ኣገደስቲ ቦታታት ንምምላስ፡ ተራራ ክፍለ-ጦራት 18ን 19ን ከምኡ’ውን መካናይዝድ ብርጌዳትን ካልኦት ኣሃዱታቱን ኣሰሊፉ፡ ብዝተፈላለየ ቦታታት ብፍላይ ከኣ ብወገን ኣፈልባን እራርን ሓያል ጸረ-መጥቃዕቲ ከካይድ ሓደረ። እንተዀነ ዘምጽኦ ለውጢ ኣይነበረን።

እዚ ውግእ’ዚ እናተኻየደ እንከሎ፡ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ኣብቲ ዕለት’ቲ ብመድፍዕ 130 ሚሊ ሜትር ንመዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣጽዒቑ ክድብድብ ወዓለ።

ውዕሎ 21 ግንቦት ኣመዓራርይ

ኣብዚ ዕለት’ዚ፡ መጥቃዕቲ ሰዓት 5፡00 ናይ ንግሆ እዩ ጀሚሩ። ክፍለ-ሰራዊት 52 ድሕሪ ናይ ውሱን ሰዓታት መሪር ኲናት ንደቀምሓረ ሰዓት 11፡30 ተቘጻጺራ ግስጋሰኣ ብምቕጻል ናብ ደቂናዞ ሓለፈት። እቲ ብቐይሕኮርን ኩርባዝብእን ዝነበረ ኣሃዱታት ግን፡ ነቲ ዝተዋህቦ ዕማም መብዛሕትኡ ዓሚምዎ’ኳ እንተነበረ፡ ብፍላይ ንስትራተጂያዊት ቦታ ብራኸ ነጥቢ1904 ግን ከይተቘጻጸራ ሓደረ።

ክፍለ-ሰራዊት 85 ብወገና፡ ሰዓት 5፡30 መጥቃዕታ ጀሚራ ብጸጋማይ ወገን ዝተፈነወላ ጸረ-መጥቃዕቲ ጸላኢ ኣምከነት። ዝተወሰና ኣሃዱታት ናይዚ ክፍለ-ሰራዊት፡ ምስ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 52 ብምዃን ገለ ክፋል ደቀምሓረ ምስ ሓዛ፡ ጸላኢ ብሸነኽ ኣምሁር ካብ ዝነበራ ታንክታት ናብ የማን ብምንቅስቓስ፡ ነቲ  ቅድሚኡ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ቦጦሎኒ ናይ ክፍለ ሰራዊት 16 ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብዝመሳሰል መገዲ ንኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 85 ክጭፍልቕ ተሃንደደ። ኣንፈት ምንቅስቓሱ ብማዕዶ ምስ ተራእየ ከኣ፡ ካብተን ምስ ክፍለሰራዊት 52 ዝነበራ ታንክታትን ጸረ-ታንክን ብቕልጡፍ ኣብታ ብርጌድ ተደሪበን ኣድብየን ከምዝጽበይኦ ተገብረ። በዚ ድማ፡ እቲ ተሃንዲዱ ዝመጸ ታንከኛ ኣሃዱ ሰራዊት ጸላኢ፡ ኣብ ሓንቲ ደቒቕ 4 ታንክታት ተቓጸላኦ። በዚ ዝተሰናበደ ጸላኢ ዝተረፋ ታንክታቱ ንድሕሪት መሊሱ ናብ ኣምሁር ክሰግር ተገደደ። ድሕሪ’ዚ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 85 ምስ ክፍለሰራዊት 52 ብምትእስሳር፡ ደቀምሓረ ሓሊፈን ናብ ታባታት ኣውሊዕ-ጾሩን ደቂናዞን ወጺአን ሓደራ።  ኣብ ወጋሕታ ናይዚ ዕለት’ዚ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 16 ዘጥቅዓሉ ቦታታት ስለዘይጥዓመን ምስቲ ብየማናይ ሸነኽ ዝነበረ ግስጋሰ ህዝባዊ ሰራዊት ክስጕማ ኣይከኣላን። ጸላኢ ዓጊቱወን ወዓለ። ብየማን ዘጥቅዓ ኣሃዱታት ደቀምሓረ ምስ ኣተዋ ግን፡ ኣሃዱታት ክፍለሰራዊት 16 ቅድመአን ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ጸራሪገን፡  ብዘይ ብዙሕ መሰናኽል ንጸጓሮን ኣምሁርን ክቆጻጸራ ከኣላ። ብድሕሪ’ዚ ብቕልጡፍ ንቕድሚት ገስጊሰን ካብ ከባቢ ኣውሊዕ-ጾሩ ንሸነኽ ኣድግና ዘሎ ተረተር ቦታታት ሒዘን ሓደራ።

ኣብዚ ዕለት’ዚ ክፍለ-ሰራዊት 70 ካብቲ ዝሓደረትሉ ከባቢ ኮርባርያ ብምብጋስ፡ ንኮርባርያ ሓሊፋ፡ ንመስመር ደቀምሓረ-ተራእምኒ ብምቁጽጻር፡ ንጸጓሮ ንየማን ገዲፋ ንዓራቶን ደንገልን ዘተኣሳስር ብራኸታት ሒዛ ብሸነኽ የማን ምስ ክፍለ-ሰራዊት 16 ተኣሳሰረት። ብጸጋማይ ግንባር እዚ መጥቃዕቲ’ዚ እናተኻየደ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ደቀምሓረን ትኹልን ዓሪዱ፡ ነቲ ግንባር ሓኒቑ ሒዝዎ ዝነበረ ናይ ጸላኢ መበል 16 ሰንጥቕ መካናይዝድ ብርጌድን፡ መበል 29ን 5ይን 3ይን ሜካናይዝድ ብርጌዳትን መስመር ከይብተኾም ተቐዳዲሞም ብኮርባርያ ኣቢሎም ንተራእምኒ ገጾም ሃደሙ። ብድሕሪ’ዚ እቲ ኣብ ፎርቶ ደቀምሓረ መአዘዚ ኮር 609 መከላኸሊ መስመር ሒዙ ክገጥም ዝፍትን ዝነበረ መበል 18 ተራራ ክፍለ-ጦር ንድሕሪት ስሒቡ መአዘዚኡ ኣብ ወቐርቲ ገበሮ። ኣብዚ ዕለት’ዚ፡ 21 ግንቦት 1991፡ ኣብ ግንባር ደቀምሓረ፡ ወግእ ብኸምዚ እናቐጸለ እንከሎ፡ መራሒ ደርግ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ካብ ሃገር ከም ዝሃደመን፡ መተካእታኡ ድማ ምክትል ፕረሲደንት ዝነበረ ሌተና ጀነራል ተስፋየ ገብረኪዳን ብግዝያውነት ስልጣን ከምዝተረከበን ብማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ተኣወጀ።  

ውዕሎ 22 ግንቦት ኣመዓራርይ

ኣብዚ ዕለት’ዚ ክፍለሰራዊት 85 ሰዓት 6፡15 ንግሆ መጥቃዕቲ ብምጅማር፡ ብየማን ኣብ እግሪ ወቐርቲ ዝርከብ ታባታት ሒዙ፡ የማነ-ጸጋም ጽርግያ ከምኡ’ውን ንዓዲ ዛምርን ዝባን ኣንገብን ድሕሪ ምቍጽጻር፡ ኣብ ከባቢ ክሳድ ጉዋን ከባቢ ወርዕዝን በጽሐ። ወርዕዝ ኣዝዩ በሪኽ ቦታን ድልዱል ድፋዓት ዝነበሮን ዕርዲ እዩ። ኣሃዱታት 85 ኣብዚ ዕለት’ዚ ውርዕዝ ንምቁጽጻር ክልተ ግዜ ዘካይድኦ ህጁም ክሰልጠን ስለዘይከኣለ፡ ኣብ ከባቢኡ ክሓድራ ተገደዳ።

ክፍለ-ሰራዊት 52፡ መጥቃዕቱ ሰዓት 7፡30 ንግሆ ብደቂናዞ’ዩ ጀሚሩ። ከባቢ ሰዓት 11፡ 00 ከኣ ንወቐርቲ ተቘጻጸረ፡ ብድሕሪ’ዚ ግስጋሰኡ ብምቕጻል ንዓደርዓዳ ክኣቱ ፈተነ። ጸላኢ ሓድሽ ሓይሊ ኣምጺኡ ጸረ-መጥቃዕቲ ስለዝፈነወ ግን፡ ዓደርዓዳ ከይኣተወ ኣብ ጫፍ ናይቲ ዓዲ ዝርከብ ታባታት ሒዙ ክዋጋእ ሓደረ። እዚ እናኾነ ብወገን ሰሳሕ ዝነበረ ኣሃዱታት ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዝባውንቲ ወቐርቲ ክወጽእ እንከሎ ብጐላጉል ዝኸደ ከኣ ጋዴን ተቘጻጺሩ ሓደረ።  ክፍለ-ሰራዊት 16 ካብ ተረተር ኣውሊዕ-ጾሩ-ኣድግና ወጋሕታ ተበጊሱ፡ ብዓዲዛምር ገይሩ ካብ ዳምባ ክሳብ ምዕራብ ወርዕዝ ዘሎ ቦታታት ድሕሪ ምቍጽጻር፡ ኣብ ዳምባ ዝርከብ ክልተ ፎርቶታትን ንኣዛይሐን ከባቢኣኡን ብቐሊሉ ብምቁጽጻር ኣብኡ ሓደረ።

ክፍለ-ሰራዊት 70 ካብ ኮርባርያን ከባቢኡን ተበጊሱ፡ ገለ ክፋሉ ንጽርግያ ሽከቲ ቆሪጹ፡ ንመንጉዳ ወገን ክጽጋዕ እንከሎ፡ ገለ ክፋሉ ከኣ ንድባርዋ ዘቆጻጽር ታባታት ዓዲራእሲ ድሕሪ ምሓዝ፡ ምሸት ሰዓት 20፡00 ንድብርዋ ተቘጻጸራ። ገለ ክፋል ኣሃዱታቱ ከኣ ንተራእምኒ ገጸን ኣምርሓ። ይኹን እምበር ተራእምኒ ከይበጻሕካ ኣብ ዝርከብ ጐልጎል፡ ጸላኢ 20 ታንክታትን ብርክት ዝበለ ሰራዊትን ኣሰሊፉ ስለዝነበረ፡ ተዓጊተን ተራእምኒ ከይኣተዋ ሓደራ።

ውዕሎ 23 ግንቦት ኣመዓራርይ

ኣብዚ ዕለት’ዚ ክፍለሰራዊት 52 መጥቃዕቱ ሰዓት 5፡30 ናይ ንግሆ ብምጅማር፡ ሰዓት 11፡00 ኣብ ዓደርዓዳን ጉዋን ዝሓደረ ሰራዊት ጸላኢ ጸራሪጉ፡ የማነ-ጸጋም ጽርግያ ሒዙ ብምግስጋስ፡ ንዝግብ ተቖጻጺሩ ዓዲ-ሓውሻ ኣብ ቅድሚኡ ገይሩዋ ሓደረ። እቲ ብጋዴን ዝደየበ ኣሃዱታት ድማ ንክሳድ ቀጸላ ሒዙ፡ ኣብኡ ድሕሪ ምጥርናፍ ዝግብ ኣትዩ ሓደረ።

ኣብ እግሪ ወርዕዝ ዝሓደረ ክፍለ-ሰራዊት 85፡ በቲ ዝነበሮ ውሑድ ዓቕሚ ሰብን ሞርታራትን ንወርዕዝ ክቈጻጸር መጥቃዕቲ እኳ እንተፈነወ፡ ብሸነኽ ጸጋም ከይተራእየ ዝጸንሐ ሓደ ሻለቃ ጸላኢ ብጎድኒ ከጥቅዖ ስለዝፈተነ፡ መደቡ ከይሰለጦ ንድሕሪት ተመልሰ። ጸኒሑ ግን ሰቡን ኣጽዋርን ዳግም ወዲቡ ዘየላቡ መጥቃዕቲ ብምፍናው ንወርዕዝ ተቘጻጸራ። ኣብ ቅድሚኡ ዝገጠሞ ሓያል ተቓውሞ ናይ ጸላኢ እናመከተ ድማ፡ ንሰራዊት ጸላኢ እናደፍአ ንቕድሚት ብምቕጻል፡ ንእምበይቶ፡ ዓዲቐንሺ ዓደ-ሕደሮምን ተቘጻጸረን።

ብምዕራብዊ ሸነኽ ወርዕዝ ዝነበረት ክፍለ-ሰራዊት 16፡ ወርዕዝ ከይተታሕዘ ክትገብሮ ትኽእል ስለዘይነበረ፡ ኣብዚ ዕለት’ዚ፡ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 16 ኵነታት ወርዕዝ እናተኸታተላ፡ ኣተሓሕዛአን ከመዓራርያ ኣርፈዳ። ድሕሪ ምትሓዝ ወርዕዝ ከኣ፡ መጥቃዕቲ ብምፍናው ንዓዲቐሺ (ምስ ክፍለ-ሰራዊት 85 ብምትሕግጋዝ)፡ ንዓዲ-ሃከፋ፡ ብድሕሪኡ ድማ ዓዶምዘማት

ኣብዚ ዕለት’ዚ ወጋሕታ፡ ኣብ ከባቢ ተራእምኒ ኰይኑ ክከላኸል ዝሓደረ ጸላኢ ታንክታቱ ሒዙ ናብ ድባርዋ ኣምርሐ። ነተን ኣብኡ ዝነበራ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 70 ፈንጢሱ ናብ ኣስመራ ክሓልፍ ድማ ዝከኣሎ ፈተነ። በዚ ፈተነ’ዚ ውሑድ ሰራዊትን ሰለሰተ ታንክታትን ናብ ኣስመራ ሓሊፈን እየን። እቲ ዝተረፈ ሰራዊትን ታንክታትን ግን ክሓልፍ ስለዘይክኣለ ተማረኸ።   ድሕሪ’ዚ ገለ ክፋል ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 70 ናብ መንደፈራ ብምግስጋስ ሰዓት 13፡00 ቀትሪ መንደፈራ ኣተዋ። ጕዕዞአን ቀጺለን ድማ ዓዲዃላ በጽሓ። ኣብ ዓዲዃላን ከባቢኣን ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ፡ 22 ግንቦት ናብ ትግራይ ክሰግር ኣብ ክሳድ ዒቃ ብሓንቲ ብርጌድ ዞባዊ ሰራዊትን ኣሃዱታት ሃንደሳን ተዓጊቱ፡ ኢዱ ሂቡ ብረቱ ኣራጊፉ ንትግራይ ሰጊሩ ጸንሖም።   እቲ ካብ ድባሩዋ ብሽከቲ ኣቢሉ ንመንጉዳ ዝገስገሰ ኣሃዱታት፡ ቅርጺ መሬት ስለ ዘይሓገዞ ኣብዚ ዕለት’ዚ መንጉዳ ክቈጻጸር ኣይከኣለን። ይኹን እምበር ገለ ኣሃዱታት ናይዛ ክፍለሰራዊት ለይቲ ንምዕራብ ተዘርጊሐን ዝባን ወጺአን ሓደራ።

ውዕሎ 24 ግንቦት ኣመዓራርይ

ኣብዚ ዕለት’ዚ ኵለን ኣሃዱታት በብዝነበራኦ ሸነኽ ተወሃሂደን መጥቃዕተን ብምቕጻል ንቕድሚት ቀጸላ። ክፍለ-ሰራዊት 52 ብዝገስገሰትሉ ኣንፈት፡ ጸላኢ ብዘይገለ ተቓውሞ ክሃድም ስለ ዝጀመረ፡ ገለ ኣሃዱታት የማነ-ጸጋም ጽርግያ ኣስመራ ዓዲ-ሓውሻ ሒዘን ንኩርባእምበይቶ ክድይባ እንከለዋ፡ ከባቢ ሰዓት 11፡00 ከኣ ብሎኮ ጎዳይፍ በጽሓ። ገለ ክፋል ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 52፡ ብሸነኽ ዓዲ-ሓውሻን ጸሎትን ኣስመራ ድሕሪ ምእታው፡ ካብ ግንባር ጊንዳዕን ዓዲሮሶን ተደፊኡ ከመጽእ ዝኽእል ሰራዊት ጸላኢ ንምዕጋት ብቕልጡፍ ብማይጭሆት ኣቢለን ናብ ቤትገርግሽን ኣምርሓ። እቲ ካብ ግንባር ጊንዳዕን ዓዶሮሶን ዝተደፍአ ብርክት ዝበለ ሰራዊት ጸላኢ ኣብ ቤትገርግሽ ቅሩብ ተቓውሞ ክገብር ፈቲኑ ነበረ። ይኹን’ምበር እዘን ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ብቐሊሉ ተቘጻጸራኦ። ጸላኢ ንኣስመራ ገዲፉ ይሃድም ስለ ዝነበረ ከኣ ክፍለ-ሰራዊት 52 መጥቃዕታ ኣብዚ ዛዘመት።

ክፍለ-ሰራዊት 85 ኣብዚ ዕለት’ዚ ዝዀነ ይኹን ናይ ጸላኢ ተቓውሞ ከይገጠማ፡ ኩርባእምበይቶ ንየማን፡ መርሓኖ ንጸጋም ብምግባር ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣተወት።

ኣብዚ ዕለት’ዚ ገለ ኣሃዱታት ክፍለ-ሰራዊት 70፡ ካብ ሰላዕዳዕሮ ንምዕራብ ዘሎ ቦታታት ተቘጻጸራ። ናብቲ ታንክታት ሒዙ ኣብቲ ቦታ ዕግሽግሽ ክብል ዝጸንሐ ሰራዊት ጸላኢ ኢዱ ንክህብ፡ ብሓደ ምሩኽ ደብዳበ ልኢኸን ከኣ እቲ ሰራዊት ምስ ታንክታቱ ከምዝማረኽ ገበራ። ዝተረፋ ኣሃዱታት ከኣ ነቲ ንምዕራብ ገጹ ዝሃድም ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ንምትራፍ ብዳዕሮቓውሎስን ቁሸትን ኣቢለን ናብ ጸዓዘጋ፡ ዓዲገብሩን ደናጉልን ብምንቅስቓስ ብኡ ክሃድም ንዝተፈተነ ሰራዊት ጸላኢ፡ ምስ ንብረቱ ማረኸኦ። እተን ብምዕራብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝኣተዋ ኣሃዱታት ክፍለ ሰራዊት 70 ብወገነን ንመዓስከራት ትራክ-ሲን ትራክ-ቢን ቁሸትን ብምቁጽጻር መጥቃዕተን ዛዘማ። እተን ንዓዲዃላን ክሳድ-ዒቃን ገጸን ኣቢለን ዝነበራ ኣሃዱታት ከኣ፡ ወጋሕታ 24 ግንቦት፡ ካብ መንደፈራ ተበጊሰን ብመገዲ ዓረዛ፡ ባረንቱ ኣተዋ። ምስተን ኣብኡ ዝጸንሓ፡ ካብ ግንባር ከረን ዝመጻ ኣሃዱታት ብሓባር ክሳብ ተሰነይ ብምቕጻል ድማ ተበታቲኑ ናብ ሱዳን ገጹ ዝሃድም ዝነበረ ኣስታት 80 ሽሕ ሰራዊት ደርግ ማሪኸን ዕማመን ዛዘማ።

እቲ ብግንባር ደቀምሓረ ዝጀመረ፡ ዛዛሚ መጥቃዕቲ በተን ኣብቲ ግንባር ተመዲበን ዝነበራ 4 ክፍላተ-ሰራዊት ማለት 16፡ 52፡ 70፡ 85 ምስ መካናይዝድ ብርጌዳት 73ን 34ን ካልኦት ደገፍቲ ኣሃዱታትን ዝተኻየደ፡ ዕዙዝ ኣበርክቶ ሓፋሽ ህዝቢ ዝነበሮ እዩ። 23 ግንቦት ጸላኢ ንኣስመራን ከረንን ገዲፉ ክሃድም ኣንፈቱ ናብ ተሰነይ ምስ ኣቕንዐ፡ ኣብ ግንባር ከረን ዝነበራ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት፡ ናብ ከባቢ ሓሊብ-መንተል ብምንቅስቓስ ብድብያ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊትን ኣጽዋርን ጸላኢ ከትርፋ እንከለዋ፡ ገሊአን ንከባቢ፡ ባረንቱ ተሰነይ ብምሕላፍ ብርክት ዝበለ ሰራዊትን ኣጽዋርን ኣብ ምምራኽ ልዑል እጃም ኣበርኪተን እየን። ብዘይካ’ዚ ኣብ ባረንቱ ዝነበሩ ኣባላት ወተሃደራዊ ሃንደሳን ካልኦት ናይ ክፍልታት ተጋደልቲን፡ ነቲ ዝሃድም ዝነበረ ሰራዊት ንምምራኽን ንብረቱ ንምትራፍን ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።

ኣብ ጽባሕ ምትሓዝ ኣስመራ፡ ብ27 ግንቦት 1991 ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ጸላኢ ንዝነበረት  ዓሰብ ንምቍጽጻር ተበግሶ ወሰደ። እዚ ምስቲ ኣዲስኣበባ ንምቍጽጻር ዝካየድ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ማዕረ ክስጕም እዩ ተወጢኑ። ሰራዊት ጸላኢ ተሪሩ ክምክት ስለዘይክኣለ ግን፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ዓሰብ ተቘጻጸረ። ኣብታ ከተማ ዝነበረ ዝበዝሕ ሰራዊት ክማረኽ እንከሎ፡ ዝተረፈ ድማ ንጅቡቲን የመንን ሃደመ። ማዕረ ማዕረ’ዚ ሰራዊት ወያነ ብታንክታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ህዝባዊ ግንባር ተሰንዩ፡ ናብ 28 ግንቦት 1991 ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣዲስ ኣበባ ንምቁጽጻር መጥቃዕቲ ፈነወ። ብዘይካ’ቲ ኣብ ቀጽሪ ቤተ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ንታንከኛታት ህዝባዊ ግንባር ዝገጠሞም መጠናዊ ተቓውሞ ድማ፡ ሰራዊት ወያነን መካናይዝድን ኮማንዶን ሰራዊት ህዝባዊ ግንባርን፡ ኣብ ረፋድ ናይ 28 ግንቦት 1991 ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ብዘይ ብዙሕ ተቓውሞ ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጸሩዋ።

ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ መወዳእታ እዋን፡ ብዝሑ ልዕሊ 130,000 ይበጽሕ ነበረ። ኣብ ግጥም ግንባር ደቀምሓረ ተሳዒሩ ክበታተን ምስ ጀመረ ከኣ፡ ካብቲ ሰራዊት እቶም ኣስታት 80 ሽሕ ኣብ መገዲ ከረንን ባርካን፡ ኣስታት 21 ሽሕ ኣብ ክሳድዒቃ፡ ኣስታት 13 ሽሕ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን፡ ብጠቕላላ፡ ልዕሊ 114 ሽሕ ሰራዊት ተማረኹ። ዝተረፉ ኣስታት 16 ሽሕ ከኣ ኣብቲ ውግእ ሞቱ። እቶም ምሩኻት ድማ፡ ሽዑ ንሽዑ ምሕረት ተገይሩሎም ናብ ዓዶም ተፋነው። ብወገን ኣጽዋር፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ውግእ ዝዓነወን ሰለስተ ንሱዳን ዝኣተዋ ታንክታትን ገለ መካይንን፡ ኵሉ ኣጽዋርን ንብረትን ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ማለት፡ 200 ታንክታት፡ 50 ናይ 130 ሚሊ ሜትር መድፍዕ፡ 171 ናይ 122 ሚሊ ሜትር መድፍዕ፡ 44 ቢ.ኤም-21፡ 18 ቢ.ኤም-24፡ 127 ዙ-23፡ 1038 ሞርታራትን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ማእከሎትን ፈኮስትን ኣጽዋራት ኣብ ኢድ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣተወ። እቲ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ በዚ ኣንጸባራቒ ወተሃደራዊ ዓወት’ዚ ከተያ ተገብረሉ።

መወከሲታት ኣመዓራርይ

ምንጪ ሓበሬታ፦

ቃለ-መሕትት ጀነራል ስብሓት ኤፍረም መዘክር ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ መጽናዕታዊ ሓበሬታ ሌተና ኮሎኔል ሙሴ ገብረትንሳኤ

መጽሔት “ሳግም”፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ሕታም ቍ.2 1990፡ ቍ.3 1990፡ ቍ.4 1991፡ ቍ.5 1991

“ፈንቅል” ዛንታታት ተሞኲሮ ገድሊ ቅጺ 3፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ 2015


  1. ኲናት ናጽነት ኤርትራ
  2. ወተሃደራዊ ዝምድና ኤርትራ–ኢትዮጵያ
  3. ምግንጻል ኣብ ኢትዮጵያ
  4. ኣብ ተገንጸልቲ ናዕቢ ዝተመርኮሰ ውግኣት ሓድሕድ
  5. መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ኤርትራ
  6. ሊብያ ዘሳትፍ ውግኣት
  7. ኩባ ዘሳትፍ ውግኣት
  8. ኢትዮጵያ ዘሳትፍ ውግኣት
  9. ሕብረት ሶቭየት ዘሳትፍ ውግኣት
  10. ንኤርትራ ዘሳተፈ ውግኣት
  11. ግዝኣታትን ህዝብታትን ኣፍሪቃ ዘሳትፍ ውግኣት
  12. ኣመሪካ ዘሳትፍ ውግኣት
  13. ውግኣት ውግኣት
  14. ወተሃደራዊ ታሪኽ መበል 20 ክፍለ ዘመን
  15. ወተሃደራዊ ታሪኽ ኤርትራ
  16. ወተሃደራዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ
  17. ውግኣት ናጽነት