ክታበታት ጽግዕ

ክታበት ንማምፕስ ዝከላኸል

ክታበታት ጽግዕ፡ ንጽግዕ ብውሑስ መገዲ ይከላኸል። ንመብዛሕቱ ክፋል ህዝቢ ምስዝውሃብ፡ ብደረጃ ሃገር ንዚመጽእ ሓልክታት ከምዚጐድል ይገብሮ። [1] 90% ካብ መላእ ህዝቢ ምስዝኽተብ፡ እቲ ውጽኢታውነቱ ብግምት 85% ይኸውን።[2] ንነዊሕ-ግዜ ዚጸንሕ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንኽህሉ፡ ክልተ ዓቐን ክታበት ክውሰድ የድሊ። እቶም ዕድሚኦም ኣብ መንጐ 12 ክሳዕ 18 ኣዋርሕ ዝኾኑ ቆልዑ፡ እቲ ናይ ፈለማ ደረጃ ዓቐን መድሃኒት ክወስዱ ምሕጽንታ ይቐርብ። እቲ ካልኣይ ደረጃ ዓቐን መድሃኒት ድማ ከም ልሙድ ነቶም ዕድሚኦም ካብ ክልተ ዓመታት ክሳዕ ሽዱሽተ ዓመታት ዝገበሩ ቆልዑ ዚውሃብ እዩ።[1] እቶም ድሮ ዓቕሚ ምክልኻል ዘይብሎም እሞ ኸኣ በቲ ሕማም እተጠቕዑ ሰባት ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።[3]

ድሕነት ኣመዓራርይ

ክታበት ጽግዕ፡ ኣዝዩ ውሑስ ኮይኑ፡ እቲ ዘጋጥም ጐድናዊ ሳዕቤናት ድማ ብሓፈሻ ፈኲስ እዩ። [1][3] ኣብ ከባቢ’ቲ ውጋእ መርፍእ ፈኲስ ቃንዛን ሕበጥን ከምኡውን ፈኲስ ረስኒ ከስዕብ ይኽእል እዩ። ሳሕቲ ድማ ካልእ ገዚፍ ጐድናዊ ሳዕቤናት የጋጥም እዩ።[1] እዚ ክታበት፡ ከም ጉድናዊ ሳዕቤናት ስነ-መትኒ ምስ ዝኣመሰለ ሓልክታት ምትእስሳር ከምዘለዎ ዚሕብር መርትዖ እኹል ኣይኮነን።[3] እዚ ክታበት፡ ነተን ጥኑሳትዝኾና ኣንስቲ ወይ ከቢድ ምዕጋት ዓቕሚ ምክልኻል ንዘለዎም ሰባት ክውሃብ ኣይግባእን። [1] ጠኒሰን ከለዋ ኣብ እተኸትባ እሞ ኸኣ ቆልዑ ዝወላዳ ኣዴታት ሕማቕ ውጽኢታት ኣምጺኡ እኳ እንተኾነ፡ እተሰነደ ነገር ግን የለን። [1][3] እቲ ክታበት፡ ኣብ ዋሃዮታት ደርሆ ዚማዕበለ እኳ እንተኾነ፡ ነቶም ብእንቛቑሖ ዚመጽእ ቁጥዐ ኣካላት ዘለዎም ሰባት ኪውሃብ ግን ቅቡል እዩ።[3]

ኣጠቓቕማ ኣመዓራርይ

መብዛሕቱ ምዕቡል ዓለም ከምኡውን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ብዙሓት ሃገራት፡ ብዙሕ ግዜ ንንፍዮ ከምኡውን ብMMR ዚፍለጥ ክታበት ሩበላ ብምውህሃድ ኣብ ዘለወን ፕሮግራማት ክታበታት የእትውኦ እየን።[1] ኣቐዲሙ እተሓበረ ሰለስተ ክታበታት ከምኡውን ብMMRV ዚፍለጥ ክታበት ፍሮማይብምውህሃድ ይውሃብ እዩ። [3] ኣብ ዓመት 2005፡ 110 ሃገራት፡ ብኸምዚ ኣገባብ ነዚ ክታበት ሂበን። ክታበት ኣብ ዝውሃበሉ ሰፊሕ ከባቢታት ድማ እቲ መጠን ሕማም ብልዕሊ 90% ከምዚጐድል ኮይኑ። ዳርጋ ፍርቂ ብልዮን ሓደ ዝዓይነቱ ዓቐን ክታበት ድማ ክሳዕ ሕጂ ተዋሂቡ ኣሎ። [1]

ታሪኽ፡ ሕብረተሰብን ባህልን ኣመዓራርይ

ክታበት ጽግዕ፡ ፈለማ ኣብ 1948 ሕጋዊ ፍቓድ ዝረኸበ እኳ እንተኾነ፡ ንሓጺር ግዜ ዚጸንሕ ውጽኢት ጥራይ ነይርዎ።[3] እተመሓየሸ ክታበታት ድማ ኣብ 1960ታት ኣብ ዕዳጋ ኪቐርብ ጀሚሩ። እቲ ናይ ፈለማ ክታበት፡ ዘቛረጸ እንተኾነ፡ ጐኒ ጐኑ እተዳለወ መድሃኒት ግን ንቫይረስ ዘዳኽም ኮይኑ ተዳልዩ።[1] ኣብ ዝርዝር ኣገደስቲ መድሃኒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣትዩ ኣሎ፣ ኣብ መሰረታዊ ስርዓተ-ጥዕና ድማ ኣዝዩ ዘገድስ መድሃኒት እዩ።[4] ክሳዕ 2007 ድማ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዓለ ብዙሕ እተፈላለየ ዓይነታት መድሃኒት ነይሩ።[1]

መወከሲታት ኣመዓራርይ

  1. a b c d e f g h i j Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  2. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  3. a b c d e f g Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  4. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).