ብሕማም ሓሰኻ ጊኒ

ብሓሰኻ ጊኒ ዚመጽእ ለበዳ እዩ

{{#ifeq:|

ብሕማም ሓሰኻ ጊኒ

Using a matchstick to remove a guinea worm from the leg of a human
ፍሉይነት infectious diseases
helminthology
tropical medicine
ዊኪፐድያ ሕክምናዊ ምኽሪ ኣይህብን እዩ ሕክምናዊ መጠንቀቕታ 

ድራኩንኩልያሲስ (Dracunculiasis)ብሕማም ሓሰኻ ጊኒ (GWD) ዚፍለጥ ኮይኑ፡ ብሓሰኻ ጊኒ ዚመጽእ ለበዳ እዩ። [1] ሰብ፡ ብላርቫሓሰኻ ጊኒ እተበከለ ቊንጪ ማይ ዘለዎ ማይ ብምስታይ ይልከፍ።[1] ኣብ ፈለማ፡ ምልክታት የብሉን።[2] ከባቢ ሓደ ዓመት ምስ ገበረ ግን፡ እታ ኣንስተይቲ ሓሰኻ ኣብ ቆርበት፡ መብዛሕቱ ግዜ ድማ ኣብ ታሕተዋይ ልስሉስ ክፍሊ ኣካላት ማይ ምዕጐ ስለእትገብር፡ እቲ ሰብ፡ ኣቐንዛዊ ስምዒት ቃጸሎ የማዕብል። [1] እታ ሓሰኻ ድማ ድሕሪ ውሑድ ሳምንታት ካብ ቆርበት ትወጽእ።[3] ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ንኽትከይድ ወይ ክትሰርሕ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል።[2] እዚ ሕማም፡ ሞት ንኸስዕብ ግን ኣዝዩ ዘይልሙድ እዩ።.[1]

ወዲሰብ፡ እቲ ብሓሰኻታት ጊኒ ዚጥቃዕ እተፈልጠ እንኮ እንስሳ እዩ።[2] እዚ ሓሰኻ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ሚሊ ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ኮይኑ፡ በጽሒ ኣንስተይቲ ድማ ካብ 60 ክሳብ 100 ሰንቲሜትሮ ንውሓት ኣለዋ (ተባዕትዮ ግን ኣዝዮም ሓጸርቲ እዮም)። [1][2] እቲ እንቛቚሖታት ድማ ካብ ሰብ ወጺኡ ክሳዕ ሰለስተ ሳምንታት ክነብር ይኽእል እዩ።[4] ቅድሚኡ ግን ብቚንጪ ማይ ክብላዕ ኣለዎ።[1] ኣብ ውሽጢ ቊንጪ ማይ ዘሎ ላርቫ፡ ክሳዕ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ይኽእል።[4] ስለዚ፡ እቶም ሓሰኻ ኣብ ሓደ ቦታ ንኽጸንሑ፡ እቲ ሕማም ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ ደቂሰብ ክህልዉ ኣለዎ።[5] ነጸርታ’ዚ ሕማም’ዚ፡ መብዛሕቱ ግዜ፡ ብመሰረት ምልክታትን ሓበሬታን እቲ ሕማም ኺካየድ ይኽእል።[6]

ምክልኻል፡ ኣቐዲምካ ነቲ ሕማም ብምንጻር፡ ደሓር ድማ ነቲ ዝሓመመ ሰብ ነቲ ቊስሉ ኣብ ዝስተ ማይ ንኸይገብር ብምኽልካል ኣዩ።[1] ካልእ ጻዕርታት ድማ፥ ኣገልግሎት ጽሩይ ማይ ከምዚመሓየሽ ምግባር፣ ጽሩይ ኣብ ዘይኮነሉ ግዜ ድማ ብመጻረዪ ማይ ምጽራይ የጠቓልል። [1] መብዛሕቱ ግዜ፡ ብሻሽ ምጽራይ እኹል እዩ።[3] እተበከለ ዝስተ ማይ፡ ነቲ ላርቫ ንምቕታል ተመፎስ (temefos) ተባሂሉ ብዚጽዋዕ ከሚካል ኪፍወስ ይከኣል እዩ።[1] ነቲ ሕማም፡ መድሃኒት ወይ ክታበት የብሉን።[1] ቀስ ኢልካ ብዕንጨይቲ ነቲ ሓሰኻ ብምጥቕላል ኣብ ገለ ሳምንታት ከተጥፋኦ ይከኣል እዩ።[2] እቲ ሓሰኻ ኪወጽእ ከሎ ዝፈጠሮ ቊስልታት ድማ ብባክተርያ ክልከፍ ተኽእሎ ኣለዎ።[2] እቲ ሓሰኻ ምስ ወጸ፡ ንኣዋርሕ ዚጸንሕ ቃንዛ ብቐጻሊ ኪህሉ ይኽእል እዩ።[2]

ኣብ 2013፡ በቲ ሕማም እተለኽፉ 148 ሰባት ነይሮም።[1] እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 1986 ዝነበሩ 3.5 ሚልዮን ሕሙማት ጐድሉ።[2] ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 4 ሃገራት ጥራይ ይርከብ፣ ካብቲ ኣብ 1980ታት ዝነበራ 20 ሃገራት ድማ ጐዲሉ ይርከብ። [1] እታ ብብዝሒ እተጠቕዐት ሃገር፡ ደቡብ ሱዳን እያ።[1] እዚ ሕማም’ዚ ድማ ክጠፍእ ዘለዎ ብፓራሳይት ዚመሓላለፍ ናይ መጀመርታ ሕማም ዳርጋ ኮይኑ ኣሎ።[7] ሕማም ሓሰኻ ጊኒ፡ ካብ ጥንቲ ይፍለጥ ነይሩ። [2] ኣብቲ ብ1550  ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እተዳለወ ሕክምናዊ ጽሑፍ ግብጺ ኢበርስ ፓፕይሩስ (Ebers Papyrus) ተጠቒሱ ይርከብ። [8] ድራኩንኩልያሲ ዚብል ስም፡ "ስቓይ ደቀቕቲ ድራጎናት" ካብ ዚብል ላቲን ዚመጸ እዩ፣[9] እቲ “ሓሰኻ ጊኒ” ዚብል ስም ድማ ኤውሮጳውያን ኣብ 17 ክፍለ-ዘመን ኣብ ገማግም ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘላ ጊኒ እቲ ሕማም ምስርኣይዎ ዘውጽእዎ ስም እዩ።[8] ንሓሰኻታት ጊኒ ዚመስል ጅር (ስፒሽስ) ድማ ኣብ ካልኦት እንስሳታት ነቲ ሕማም የመሓላልፍ።[10] እዚ ግን ናብ ደቂሰብ ኣይመሓላልፍን እዩ።[10] እዚ ድማ ምስ ርሱዕ ትሮፒካዊ ሕማም ይምደብ።[11]

References ኣመዓራርይ

  1. a b c d e f g h i j k l m Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  2. a b c d e f g h i Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  3. a b Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  4. a b Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  5. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  6. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  7. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  8. a b Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  9. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  10. a b Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  11. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).