ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ

ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ:

ትምህርቲ ብቛንቋ ኣደ ኣብ መባእታ፡ ሳላ'ቲ ኣብ ሜዳ ንጡፍ ዓውደ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር ኪካየድ ዝጸንሐ ኣመሃህራ፡ ድሕሪ ናጽነት ክንሰርሐሉ ዋላ ሽግር ኣየጋጠመን። ካብ 93 - 95 ተሰሪሑሉ። ደሓር ዋሕዲ ሰብ ኣጋጢሙ፡ ደስኪሉ ምስ ጸንሐ፡ ብቛንቋ ኣደ መምህራን ዚዀኑ ንምስልጣን፡ ዓስራይ ክፍሊ ዝወድኡ ዜድሊ ክእለትን ጠባይን ዘማልኡ ተመሃሮ ብምምራጽ፡ ናብዚ ተቐቢልና ነቲ ኣብ መባእታ ዚጠቕሞም ኣገባብ ኣመሃህራ እናመሃርና፡ ምስኡ ድማ ንማትሪክ ንምድላው ዚጥቀሙሉ ትምህርቲ እናሃብና፡ ክንዕወተሉ ክኢልና። ኣብ ርእሲ ካልእ ትምህርቶም፡ (ብፊደላት ላቲን ነንቛንቋኦም) ናይ'ቲ ኪምህሩሉ ዚዳለዉሉ ዘለዉ ቋንቋ ኣደ ይምሃሩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ምስልጣን መምህራን ኣብ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊሉ፡-

እቲ ሓደ ተመሃሮ 10ይ ክፍሊ ወዲኦም ዚኣትዉዎ ኣብ ማይ ነፍሒ ዚርከብ በቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ዚምሃሩ፡ ዝተፈላለዩ ቋንቋ ኣደ ዚምህሩ መምህራን ዚስልጥኑሉ፡

እቲ ካልኣይ ድማ ብሄሮም ኰነ ቋንቋ ኣዲኦም ብዘየገድስ፡ 11 ክፍሊ ወዲኦም ዚኣትዉዎ ኣብ ኣስመራ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ኢዮም።"

ንዝሓትተናዮ ምኽሪ መም. መብርህቱ ከምዚ ይብል፡-

"ኣብ ሃገር ሽወደን ዘሎ ምዕባሌ ኣዝዩ ልዑል'ዩ። ንነፍሲ ወከፍ ካብ ወጻኢ ዝመበቈሉ ቘልዓ ቋንቋ ኣዲኡ ኪምሃርን ባህሉ ከይርስዕን (ኬማዕብልን) ዚብል ዕላማ ኣዝዩ ቅዱስ'ዩ። ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ እቲ ምዕባሌ እቲ ሃገር ንዘዝመጹ ቈልዑ ናብ ባህሉን ቋንቋኡን ውሒጡዎም ምተረፈ። ዚምስገን ኢዩ። እንተዀነ ብዘይካ ትግርኛ ካልኦት 8 ቋንቋታት እውን ስለ ዘለዋና፡ በተን ዝተረፋ ቋንቋታት ሃገርና ኪምህሩ ዚኽእሉ ኤርትርውያን ከምዚ ናታትኩም ኪምህሩ ከተተባብዑዎም እምሕጸን" ኢሉ።

ሓጋይ - ክረምቲ

ሓግዙኒ ሊቃውንቲ!