ኣየናይ ኢዩ ቅኑዕ? እ'ዚ ዓምዲ'ዚ ካብ'ዚ እዋን'ዚ ጀሚሩ ብቐጻሊ ኣብ ኣዘራርባናን ኣጸሓሕፋናን ንእንገብሮ ገለ ገለ ጌጋታት ንምእራም ምስ ነበብትና ናይ ሓባር ክትዕ ከነካይደሉ ከፊትናዮ ኣለና።

ነቢቡ ዶ ኣንቢቡ መልሲ: ነቢቡ ዝበሃል ትግርኛ ኣበይ ይዝረብ:: ንለውጦ እንተኾይኑ ግና ንመያየጠሉ::

ኣንቢቡ = ንኻልእ ሰብ ከም ዚነብብ ገይሩ

ኣንቢዑ = ንኻልእ ሰብ ከም ዚነብዕ ገይሩ

ነቢቡ / ነቢዑ (ባዕሉ) መዝገበ ቃላት መሪጌታ ግርማጽዮን፡ ገጽ 392

ኣንበበ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ተክአ ተስፋይ፡ ገጽ 543

ነብበ፡ ይነብብ፡ ይንብብ፤ መዝገበ ቃላት ሐዲስ ኪዳነ ወልድ ክፍለ፡ ገጽ 618

አንበበ = ለበሃማን ያነብቦሙ = ንዓባሳት ከምዝዛረቡ ይገብሮም። ብልሳነ ግዕዝ ነበበ ብትግርኛ ተዛረበ ማለት እዩ።