ሃገረ ኬንያ

ሰንደቕ ዕላማ (ባንዴራ)

ኬንያ ሓንቲ ሪፓብሊካዊት ሃገር እያ፣ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ'ውን ትርከብ። ኬንያ ብሸነኽ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ቅናት ምድሪ ትርከብ። ምስ ሓሙሽተ ሃገራት'ውን ትዳወብ፤ ብሰሜን ምስ ኢትዮጵያ፡ ብሰሜናዊ ምብራቕ ምስ ሶማልያ፡ ብደቡብ ምስ ታንዛንያ፡ ብምዕራብ ምስ ዩጋንዳ ከምኡ'ውን ምስ ቀላይ ቪኢክቶሪያ ትዳወብ። ርእሲ ክተማ ኬንያ: ናይሮቢ ትብሃል። ኬንያ ሓንቲ ካብተን ብዝተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታት በረኻን ንእኦም'ውን ዝተሓዝኤ ቦታታትን በረኻታትን ዝመልኣን ዝሃብተማን ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።

ብቀይሕ ሕብሪ ዘለዋ ካርታ ሃገረ ኬንያ'ያ። ኬንያ ሓንቲ ካብ: ሀገራት ኣፍሪቃ እያ