ዊኪፐድያ ብትግርኛ

(ካብ ዊኪፐዲያ ብትግርኛ ተሰጋጊሩ)

ዊኪፐድያ ብትግርኛ ሕታም ብትግርኛ ዊኪፐድያ እዩ። ከምቲ ብኻልኦት ቋንቋታት ዝጸንሑ ሕታማት ዊኪፐድያ፣ ብናጻ ትሕዝቶ ዝሓዘ ኢንሳይክሎፐድያ ኮይኑ፣ ኣብ ኢንተርነት ብናጻ ፍቓዳት CC BY-SA 3.0GFDLን ዝሕተም እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን 296 ጽሑፋት ዘለዎ ኮይኑ፣ ብወለንታውያን ተጠቀምቲ ዝተጻሕፈ እዩ፣ ማለት ዝኾነ ሰብ ንሓደ ጽሑፍ ኣርቲዑ፣ ክእርሞ ወይ ከስፍሖ ይኽእል። እቶም ኣገልገልቲ ብመሰረት ዊኪሜድያ ዝምራሕ ኮይኑ፣ እዚ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ኮይኑ፣ ምወላኡ ብቐንዱ ኣብ ወፈያታት ዝተመርኮሰ እዩ።

ዊኪፐድያ ብትግርኛ

ኣርማ ዊኪፐድያ ብትግርኛ
ቋንቋ ትግርኛ
ዕለተ ፍጥረት 24 ለካቲት 2004 (20 ዓመታት፣ 2 ኣዋርሕን 7 መዓልታትን)
ጽሑፋት 296
ዝተመዝገቡ ተጠቀምቲ 9,803
ጠቕላላ ገጻት 2,910
ከባብያዊ ፋይላት 0
ti.wikipedia.org

ዊኪፐድያ ብትግርኛ 9,803 ተጠቀምቲ ኣለዉዎ፣ ካብዚኦም እቶም 12 ንጡፋት እዮም።