ውላደይ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ንቋንቋ-ኣደ

ውላደይ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ንቋንቋ-ኣደ:

ከም ዓይነት ትምህርቲ ኪምሃሮዶ?

ምርምር ከም ዜርእዮ፡ ብቛንቋ ኣደኦም ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂሮም ዝጸንሑ ሰብ ድርበ-ቋንቋ ቈልዑ፡ ነቲ ቋንቋኦም ምምዕባሉን ምዕቃቡን ይቐለሎም። ኵሎም ቈልዑ በቲ ዝሓየለ ቋንቋኦም ኬንብቡን ኪጽሕፉን እንተ ዚምሃሩ እቲ ዝበለጸ ምዀነ። እዚ ኸኣ ቋንቋ ኣደኦም’ዩ። ብሓደ ቋንቋ ምንባብን ምጽሓፍን ምኽኣል፡ ካልእ ቋንቋ ከተንብብ ንምምሃር ዝቐለለ ይኸውን። ቈልዑ ኣብ ሓደ እዋን ሓያለ ቋንቋታት ምንባብን ምጽሓፍን ኪምሃሩ’ውን ይኽእሉ’ዮም። ኣብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚውሃብ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ፡ ቈልዓ ብቛንቋ ኣደኡ ምንባብን ምጽሓፍን ናይ ምምሃር ተኽእሎ ኣሎዎ። ንኣብነት ደብዳበ ብምጽሓፍን፡ መጻሕ ፍቲ ይኹን ካልኦት ጽሑፋት ብምንባብን፡ ርክብ ምስ መበቈል ሃገሩ ኪቕጽልን ኬዛይድን ይኽእል።

ቈልዓ ኣብ ቤት ትምህርቱ መሰል ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኣሎዎ። ሓደ ጕጅለ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ንምምስራት፡ ኣብ ዞባኦም ብውሑድ ሓሙሽተ ተመሃሮ ኪህልዉ ኣሎዎም። ሓደ ቋንቋ ዘሎዎም ቈልዑ ኣብ በበይነን ኣብያተ ትምህርቲ ዚምሃሩ እንተ ዀይኖም፣ ኣብ’ቲ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ዚውሃበሉ ግዜ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ይእከቡ። እቲ ትምህርቲ ብነጻ ድሌት’ዩ ዚውሃብ፤ ስለዚ ወለዲ ውላዶም ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኪምሃር ዚደልዩ እንተዀይኖም፡ ንቤት ትምህርቲ ኬመልክቱ ኣሎዎም። እቲ ቈልዓ ቋንቋ ሽወደን ኣጸቢቑ ዘይመልኽ ምስ ዚኸውን፡ ብቛንቋ ኣደኡ ሓገዝ ትምህርቲ ኪረክብ መሰል ኣሎዎ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ቈልዓ ኣብ በበይኑ ዓይነታት ትምህርቲ ብመምህር ቋንቋ-ኣደኡ ሓገዝ ይረክብ ማለት ኢዩ። መምህር፡ ንትሕዝቶ ናይ’ቲ መማህ ርቱ ዚምሃሩዎ ትምህርቲ፡ ብቛንቋ ኣደኡ የረድኦን ኣብ መጽናዕቱ ይሕግዞን። ነቲ ቈልዓ ሓገዝ ትምህርቲ ብቛንቋ ኣደኡ ዜድልዮ እንተ ዀይኑ እቲ ቤት ትምህርቲ ይውስን።

ቋንቋ ኣደ ብኻልእ ኣገባብ’ውን ክትምሃሮ ይክኣል’ዩ። ንዚውሃቡ ኣገልግሎታትን እንታይ ማለት ምዃኖም ንምፍላጥን ንቤት ትምህርቲ ኪሕተት ይክኣል።

ንገለ ጕጅለ ቋንቋታትን ኣብ ገለ ቦታታትን ብመልክዕ ድርበ-ቋንቋዊ ክፍልታት ወይ ናብ ሓደ ቋንቋ ዘድሃበ ነጻ ቤት ትምህርቲ፡ ድርበ- ቋንቋዊ ትምህርቲ ንምምራጽ ተኽእሎ ኣሎ።