ኣስመራ

ርእሰ ከተማ ኤርትራ

ኣስመራ ዝዓበየትን ርእሰ ከተማን ኤርትራ እያ። ኣስታት 579 ሽሕ ዝኸውን ህዝቢውን ይቅመጥዋ። ካብቶም ቀንዲ ኢንዱስትርያዊ ፍራያት ዐለባ፡ ዝተዐሸገ ስጋ፡ ቢራ፡ ሳእኒን ኣሕልታትን ይርከብዎም።ከምኡ ውን ኣብ ዩ.ኔ.ስ.ኮ(U.N.E.S.O) ተመዝጊባ ዘላ ከተማ እያ።

ኣስመራ
ርእሰ ከተማ ኤርትራ



ባንዴራ

ኣርማ

ኣስመራ ዝርኸብ ኣብ ኤርትራ
ኣስመራ
ኣስመራ
ከባቢ ኣስመራ ኣብ ኤርትራ
መስተማእዛኒታት 15°20′00″ሰ 38°55′00″ምብ / 15.333333333333, 38.916666666667
ኣካል ርእሰ ከተማ ኤርትራ
 • ሃገር ባንዴራ ኤርትራ ኤርትራ
 • ዞባ ማእከል
ታሪኻዊ ፍጻሜታት  
 • መሰረት 800 ቅ.ክ.
 • ህንጻ ከተማ
 • ምፍጣር 1890
ስፍሓት  
 • ጠቕላላ 12,158,1 ትርብዒት ኪ.ሜ.
ብዝሒ ህዝቢ  (2020)  
 • ጠቕላላ 963,000 ተቐመጥቲ
ዞባ ግዜ UTC+03:00
[ ወግዓዊት መርበብ ሓበሬታ ]

ቀንዲ ተቀማጦ ኣስመራ ካብ ብሄረ ትግረ ኮይኖም ኣርባዕተ ኣስመራ ሓምሻዮም ነበራ ይብሃሉ: ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ ኣስመራ ሸፋቱ የሸግርዎም ስለዝነበሩ እተን ኣንስቶም እየን ኣስሚረንኦም:: ኣርባዕተ ክንብል ከለና ኣሕዋት ኣይነበሩን ገዛ ኣስምዔን ገዛ ስርንስር ጥራሕ እዮም ደቂ ሓደ ሰብኣይ እንዳ ሓሰበላ ዝብሃሉ ናበራ ዝብሃሉ ደቂ ክልተ ኣሕዋት ኮይኖም ካብ ሓሰብን ሓሰበላን ይውለዱ:: ገዛ ስርንስርን ኣስምዔን ነበራን ደቂ ክልተ ኣሕዋት ክኮኑ ከለው:: እቶም ክልተ ነገድ ገዛ ጉረቶምን ሸለለን ግና ካብ ካልእ ቦታ ዝነገዱ እዮም:: ብዛዕባ ነበራ ምስ መግዛእቲ ኣሉላ ናብ ከባቢ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክቅመጡ ተገዲዶም ኣብ ጉልዒ ዝብሃል ዓድን ብድሕሪ ቤት ገርግሽ ዘሎ ኣጻድፍ ክነብሩ ወሲኖም ብዙሓት ካብኦም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝነብሩ ኣለዉ።

ታሪኽ ኣመዓራርይ

ኣስመራ ኣብ መበል ዐሰርተው ክልተ ክፍለ ዘመን ካብ ኣርባዕተ ማይቤት እያ ተመስሪታ ። ከም ዝዝንተው ፈለማ ገዛ ጉርቶም፣ ገዛ ሸለለ፣ ገዛ ሰረንሰር ን ገዛ አሰምዐ ዝተባህሉ ኣርባዕተ ማይ ቤት ይነብሩ ነይሮም ። ዝተጠቅሱ ማይ ቤታት ካብ መታሕትን ካብ ስግር መረብ ምላሽን ብዝመጹ ዝነበሩ ጸላእቲ ብቀጻሊ ይውረሩ ነበሩ።ነዚ ንምክልካል ድማ ኣንስቲ ኣርባዕቲአን ዓዲ ብሓባር ክሰምራ ተሰማምዓ።እቲ ሓሳብ ውን ንሰብኡተን ነገርኦም ። እቶም ሰብኡት ውን በዚ ተሰማሚዖም ነቲ ሓሳብ ናይ ኣንስቶም ኣብ ግብሪ ኣውዓልዎ። ሳልእን ውን ስለ ዝሰመሩ "ኣርባዕተ ኣስመራ" ኢሎም ነታ ሓዳሽ ዓዲ ሰየምዋ። እቲ ምስኡ ጠቢቑ ዝዓበየ ብ ኢጣልያውያን ዝኸተመ ክፍሊ ኸኣ ኣስመራ ተባሂሉ ክፅዋዕ ጀመረ ። እታ ጥንታዊት ክፋል ግና ክሳብ ሕጂ ደቀባት ይሰፍርዋን ኣርባዕተ ኣስመራ ተባሂላ ትጽዋዕን ኣላ ። ኣስመራ ብ 1889 ወረርቲ ሓይሊ ጥልያን ኣትዮም ኣኸቲሞም ቀይሕ ባሕሪ ናብ ከተማ ምጽዋዕ ዝበጽሕ መገዲ ባቡር ተሰሪሑላ ግን ከኣ ክሳብ ሕጂ ዝጠፍኣ ዓድታት ኣለዋ ኣብ ዉሽጢ ኣስመራ ከም ገጀረት፡ሰምበል፡ሰኒታ፡ቤት መኻእ ኣብ ግዜ ኣሉላ መሬቶም ገዲፎም ተሰደዱ ህዝቢ ደቀባት ናይቲ ቦታ ኣብ ድሕሪ ቤት ገርግሽ ዝርከብ ኣጻድፍ ይነብሩ ኣለዉ።