ክልል ትግራይ

ክልል ትግራይ (ዕላዊ ስም:ብሔራዊ ክልላዊ መንግሥቲ ትግራይ) ሓንቲ ካብ ክልላት ኢትዮጵያ እያ።ትግራይ ዓዲ ተጋሩ;ኢሮብን ኩናማን እያ።ብመሠረት ሕገመንግሥቲ ፌደራላዊት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ክልል ሓደ ተባሂላ ትጽዋዕ።መዲናኣ ከተማ መቐለ እያ።ካብ ክልላት ኢትዮጵያ ብስፍሓት መሬት ሻድሸይቲ ክትኸውን ከላ ብበዝሒ ህዝቢ ከዓ ኃምሸይቲ እያ።