ክታበት ንፍዮ

ኣንጻር እቲ ሕማም ዕንፍሩር ዝጥቀመሉ ክታበት

ክታበት ንፍዮ ፡ ንንፍዮ ዚከላኸል ኣዝዩ ውጽኢታዊ ክታበት እዩ።[1] 85% ካብ ትሽዓተ ወርሒ ዝገበሩ ቆልዑ፡ ከምኡውን 95% ካብቶም ልዕሊ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ዝገበሩ ቆልዑ፡ ሓንቲ ክታበት ምስወሰዱ ነቲ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ይህልዎም።፡[2] ዳርጋ ኩሎም እቶም ብሓንቲ ክታበት ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዘየማዕበሉ ቆልዑ ድማ ካልኤይቲ ክታበት ምስወሰዱ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ የማዕብሉ፡፡ እቲ ኣብ ህዝቢ ዝውሃብ መጠን ክታበታት፡ ልዕሊ 93% ምስዝኸውን፡ ለበዳታት ንፍዮ ከም ልሙድ ደጊሙ ዘየጋጥም እኳ እንተኾነ፡ መጠን ክታበታት ኪጐድል ኣብ ዝጀመረሉ ግን ደጊሙ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ውጽኢታውነት ክታበት፡ ንብዙሕ ዓመታት ዚቕጽል እዩ። ውጽኢታውነቱ ምስ ግዜ እናጐደለ ዝኸደሉ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን። እቲ ሕማም ካብ ዘጋጠመሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት እቲ ክታበት ምስዝውሃብ፡ ካብዚ ሕማም ኽከላኸል ይኽእል እዩ።[1]

ድሕነት ኣመዓራርይ

እዚ ክታበት፡ ነቶም ረኽሲ ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎም ሰባት ከይተረፈ ብሓፈሻ ውሑስ እዩ። ጐድናዊ ሳዕቤናት፡ መብዛሕቱ ግዜ ፈኲስን ንሓጺር ግዜ ዚጸንሕን እዩ። እዚ ድማ መርፍእ ኣብ ዝወግኦ ቦታ ቃንዛ ወይ ፈኩስ ረስኒ ከጠቓልል ይኽእል እዩ። ኣመና ተኣፋፍነት መድሃኒት፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ሚእቲ ሽሕ ሰባት ከምዘጋጥም ተሰኒዱ ኣሎ። መጠን ምልክታት ሕማም ጉልያን ባረ (Guillian-Barre)ኣውቲዝም ከምኡውን ሕማም ቁጥዐ መዓናጡ ኣይውስኽን ኣሎ።[1]

ምውህሃድ መድሃኒት ኣመዓራርይ

እዚ ክታበት፡ ንበይኑ ጥራይ ወይ’ውን ንክታበት ሩበላክታበት ጽግዕ ከምኡውን ክታበት ፍሮማይ (ብክታበት MMR ከምኡውን ክታበት MMRV ዚፍለጥ) ምስ ካልእ ክታበታት ብምውህሃድ ይውሃብ እዩ። እዚ ክታበት፡ ኣብ ኩሉ ዝውሃሃድ መድሃኒታት ብማዕረ ጽቡቕ ይሰርሕ እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ሕማም ግኑን ኣብ ዝኾነሉ ከባቢታት ዓለም ንዘለዉ ዕድሚኦም ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝኾኑ ቆልዑ ንኽውሃብ ምሕጽንታ የቕርብ። እቲ ሕማም ኣዝዩ ግኑን ኣብ ዘይኮነሉ ከባቢታት፡ ዕድሚኦም ዓሰርተ-ክልተ ኣዋርሕ ንዝኾኑ ቆልዑ ኪውሃብ ድማ ቅቡል እዩ። እዚ፡ እቲ ዚውሃብ ዘሎ ክታበት እዩ። ብትሕቲ ቆርበት ወይ ኣብ ጭዋዳ ቅድሚ ምውሃቡ፡ ተወሃሂዱ ኪቐርብ ዘድልዮ ብመልክዕ ንቑጽ ሓሪጭ ይመጽእ። መረጋገጺ ውጽኢታውነት’ቲ ክታበት፡ ብመርመራታት ደም ኪውሰን ይኽእል እዩ።[1]

ታሪኽ፡ ሕብረተሰብን ባህልን ኣመዓራርይ

ኣብ 2013፡ ከባቢ 85% ኣብ ዓለም ዝርከቡ ቆልዑ፡ እዚ ክታበት’ዚ ረኺቦም።[3] ኣብ 2008፡ እንተወሓዳ 192 ሃገራት ክልተ ዝዓቐኑ መድሃኒት ሂበን።[1] ፈለማ ኣብ 1963 ድማ ከምዝተኣታቶ ኮይኑ።[2] ንንፍዮ-ጽግዕ-ሩበላ (MMR)ዜጠቓልል ክታበት፡ ፈለማ ኣብ 1971 ኪውሃብ ጀሚሩ።[4] ክታበት ፍሮማይ፡ ንክታበት MMRV ብምሃብ ኣብ 2005 ከምዚውሰኽ ኮይኑ።[5] ኣብ ዝርዝር ኣገደስቲ መድሃኒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝኣቱ ኮይኑ፣ ንመሰረታዊ ስርዓተ-ጥዕና ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ መድሃኒት እዩ።[6] እዚ ክታበት፡ ብዋጋ ኣዝዩ ክቡር ኣይኮነን።[1]

መወከሲታት ኣመዓራርይ

  1. a b c d e f Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  2. a b Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  3. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  4. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  5. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).
  6. Lua error in ሞድዩል:Citation/CS1 at line 4390: attempt to index field 'date_names' (a nil value).