ኮሮና ቫይረስ (እንግሊዝኛ Coronavirus) ክንብል ከለና፣ ኣብ 2019/2020 ዝተረኽበ ዓይነት ህማም (ቫይረስ) እዩ። ኣብ 2020 ሰብ ኣንቀጥቂጡ ዘሎ ህማም ድማ እዩ። ኮሮና ዋላ'ኳ ቀታሊ ዓይነት ቫይረስ እዩ እንተ በልናዮ፣ ወይ ካብ 80 ዓመት ንላዕሊ ኢኻ፣ ወይ ካልእ ሕማም ኣለካ። ንኣብነት፣- ሽኮርያደም ዋህዲደም ብዝሂ ወዘተ። ብዝተረፈ ግን፣ እንተ ተጠንቂክቃ፣ ዝሓዊ ሕማም እዩ። ከም በዓል ሕማም ቫይረስ ኢቦላ ግን ኣይኮነን። ብኸመይ መጽዩ፣ ብከመይ ክንከላከሎ ንክእል፣ ድማ ቀጺለ ክሕብረኩም እየ።

መምጽኢ ኮሮና ቫይረስ ኣመዓራርይ

ኮሮና ቫይረስ፣ ቀንዲ መምጽኢኡ ኡኳ 100% ብከመይ ከም ዝመጸ አንት ደይ ተፈልጠ፣ 92% ግን ካብ መንካዕ ከም ዝኾነ፣ ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ቦታ መምጽኢኡ ድማ፣ ካብ ዉሃን ዝበሃል ቦታ ኣብ ቻይና ትርከብ ዓዲ ከም ዝመጸ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ዉሃን፣ ዘይ ሕጋዊ ነገር ስለ ዝገብሩ፣ ንኣብነት ዘይ ግፈፍ ዓሳ ገፊፎም እንዳ በልዑ፣ ድማ ነዚ ቫይረስ ኣብ ዓለም ሕደገኛ ኮይኑ ከም ዘሎ ድማ ጌሮም። ኮሮና ቫይረስ፣ ድሕሪ ነዊሕ ምምርማር፣ ቅድሚ ሕጂ ውን ከምኡ ዓይነት ቫይረስ ከም ዝነበረ ተረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ናይ ቀደም ቫይረስ ድማ ማራ ሓደገኛ ኔሩ። እቶም ክልተ ናይ ቀደም ቫይረስ ድማ፣ ሳርስመርስን ይበሃሉ። እዚ ናይ 2020 መጽዩ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ድማ፣ ኮቪድ19 ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንምንታይ ኮቪድ19 ይበሃል ዝብል ሕቶ እንተ'ለኩም፣ ኣብ 2019 ስለ ዝተረኽበ ሕማም እዩ።


 

ኮሮናቫይረስ ከመይ ጌርና ንከናኸኖ ኣመዓራርይ

  • ካብ 80 ሓሊፍካ፣ ወይ ሽኮርያ ሓሚምካ ማለት፣ ግድን ትመውት ማለት ኣይኮንካን። ምክንኻን ግን ኣዝዩ ከድልየካ እዩ። ብኸመይ ንከናከኖ እንተ ደኣ ኢልና፣ ኩሉ ግዜ፣ ካብ ዝመጻካ መጺካ ብርሑቅ ይኹን ብቀረባ፣ ኢድካ ብማይን ሳምናን ጌርካ፣ ናስታት 20 ሰከንድ ዝከውን ኣጽሪኻ ክትሕጸቦ ኣለካ። ከምኡ ድማ፣ ሰላምታ ምስ ሰብ፣ ብዝተኻእለካ መጠን ከተቋርጾ ኣለካ። እንተ ተካኢሉ ውን፣ ጠቅላላ ሰላም ኣይትበል። ብጉሩብ ኮንካ በሓንሳብ ኣብ ጽርግያ ምዝዋር ውን ኣዝዩ ሓደገኛ ክከውን ይኽእል እዩ። ብዝተካለካ መጠን ካብ 1,5ሜ ክተራሓሓቅ ክትክእል ኣለካ። ነዚ ብምግባር፣ ኮሮናቫይረስ ከይሕዘካ፣ ክተከናከን ኢኻ።