ማክዶናልድስ
ኣብ ቅልጡፍ መግቢ ዝነጥፍ ኣመሪካዊ ሰንሰለት ኣብያተ መግቢ
(ካብ McDonald's ተሰጋጊሩ)
ማክዶናልድስ (ብእንግሊዝኛ፦ McDonald's)፣ ኣብ ቺካጎ፣ ኢሊኖይ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ዘለዎ ኣመሪካዊ ሰንሰለት ኣብያተ መግቢ ቅልጡፍ መግቢ እዩ። ቀንዲ ፍርያቱ ድማ ሃምበርገራት፣ ቅልዋ ድንሽ፣ ዝርዝር መግቢ ቁርስን ልስሉስ መስተታትን እዮም። ኣብ መዓልቲ ንኣስታት 68 ሚልዮን ዓማዊል የገልግል፣ ኣብ ልዕሊ 36 ሽሕ ትካላት ኣብ 118 ግዝኣታትን ሃገራትን ዓለም።
ማክዶናልድስ | ||
---|---|---|
ማክዶናልድስ ኮርፖሬሽን (McDonald's Corporation) | ||
ዓይነት | ህዝባዊ ኩባንያ | |
ኢንዱስትሪ | ቅልጡፍ መግቢ | |
መሰረት |
15 ግንቦት 1940 (84 ዓመታት) ኣብ ሳን በርናርዲኖ፣ ካሊፎርንያ። ማክዶናልድስ ኮርፖሬሽን፣ 1955 ኣብ ደስ ፕሌይንስ፣ ኢሊኖይ። | |
መስራቲ | ||
ዋና ቤት ጽሕፈት | ቺካጎ፣ ኢሊኖይ፣ ኣመሪካ | |
ቦታ ስራሕ | ዓለምለኻዊ | |
ዋና ፈጻሚ ስራሕ | ክሪስ ኬምፕዚንስኪ | |
ፍርያት | ሃምበርገራት፣ ቅልዋ ድንሽ፣ ናጌት ደርሆ | |
እቶት | 23.223 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ | |
ወናኒ | The Vanguard Group፣ BlackRock ከምኡ’ውን State Street Corporation | |
ሰራሕተኛታት | +420,000 (2016) | |
መስተማእዛኒታት | 41°53′01″ሰ 87°39′14″ምዕ / 41.883608, -87.653836 | |
መርበብ ሓበሬታ | www.mcdonalds.com | |