ሰንዓፈ
ዞባ ደቡብ፣ ኤርትራ

ሰንዓፈ ኣብ ዞብ ደቡብ ትርከብ ሓንቲ ካብተን 12 ንኡሳን ዞባታት ዞባ ደቡብ እያ። ሰንዓፈ ካብ ኣስመራ ን፻፴፭ (135) ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ ከተማ እያ። እዛ ከተማ ዚኣ ብዓበይቲ ብእምባታት ከም በዓል እምባ ሶይራ፡ እምባ ሳይም፡እምባ ታሪኻ እምባ መጠራ ተከቢባ ትርከብ። ካብ ኤርትራ እቲ ዝነውሐ እምባ፡ እምባሶራን ተኣምራታዊን ሰሓብን መልክዕ ዘለዎ እምባ መጠራ ኣብዚ ንኡስ ዞባዚ ይርከቡ። ንኡስ ዞባ ፀንዓፈ ኣስታት ፪፻(200) ገጠራት ተመሓድርን ኵልምላ ድማ ኣስታት ፲፻፴፭ ሽሕ (135.000) ህዝቢ ምስ ንኡሳን ዓድታት እተመሓድር ንእሽተይ ከተማ እያ። ሰንዓፈ ብታሪኻዊያን ቦታታት በለውከለውመጠራከስከሰ ዝያዳ ትፍለጥ ከተማ እያ ከምኡ`ውን ከም ቅዱሳን ቦታታት እንዳ ኣቡነ ሊባኖስን እንዳጻድቃንን ኣብ ከብዲ እዛ ከተማ ዚኣ ይርከቡ። ህዝቢ ከተማ ሰንዓፈ፣ ብማሕረሰን፣ ንግድን ይናበር።